ኬንያ፡ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽባ ዶብ ምሉእ ብምሉእ ከምዝዓፀወቶ ኣፍሊጣ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኲናት ስዒቡ ኬንያ እቲ ቅልውላው ዘስዓቦ ዋሕዚ ስደተኛ ክህሉ ይኽእል እዩ ብምባል ምስ ኢትዮጵያ ዘዳቡባ መስመር ብሙሉኡ ምዕፃዋ ቴሌቭዥን ጣብያ ሲቲዝን ኬንያ ፀብፂቡ።

መንግስቲ ኬንያ ዘይሕጋዊ ፍልሰት ንምክልኻል ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘዳቡባ 800 ኪሎሜትር ስፍሓት ዘለዎ ዶብ ብሄራዊ ግልጋሎት ፖሊስ ብምምዳብ ቁፅፅር ምሕያላ ኣፍሊጣ።

ካብዚ ብተወሳኺ እታ ሃገር ዘይሕጋዊ ስደትን ዝውውር ኣፅዋርን ንምክልኻል ናይ ፍተሻ ጣብያታት ከምዝወሰኸት እውን ምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ካብ ኢትዮጵያ ከጋጥም ንዝኽእል ዋሕዚ ስደተኛታት ኣቐዲምካ ንምትላም ኣብ ሞንጎ ሰበስልጣናት ኬንያን ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃግራትን ዘተ ከምዝተኻየደ ዝሓበረት እዛ ቴሌቭዥን ጣብያ፣ ሰበ ሞያ ጉዳይ ስደተኛታት፣ እዛ ሃገር እንተወዲቓ ልዕሊ 5 ሚሊዮን ስደተኛታት ዶብ ክጥሕሱ ክፍትኑ ይኽእሉ ዮም ክብሉ ግምቶም ከምዘቐምጡ ሓቢራ።

ከም ናይ ቀረባ ጎረቢት ኬንያ ናይቲ ፅልዋ ቀጥታ ተጎዳኢት እያ ዝበለ ካብ ብሄራዊ ግልጋሎት ፖሊስ ዝወፀ መግለፂ፣ ዜጋታት ንሃገሮም ሓለዋ ደው ክብሉን ፀጥታ ከባቢኦም ክሕልውን ፀዊዑ። ጥርጡራትን መረዳእታ ዘይብሎምን ሰባት እንተረኺቦም ናብ ከባቢኦም ዝርከብ ሓለዋ ፀጥታ ክጥቁሙ እውን ኣተሓሳሲቡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኩነት ህፁፅ ኣዋጅ ምእዋጁን ፃውዒት ክተትን ምትሕልላፉ ዝፈለጥ ዩ።

ውፅኢት እዚ ኣዋጅ ድማ ጅምላዊ ማእሰርትን ሃደንን ብምዃኑ ነዚ ስዒቡ ኬንያ ዶባ ከምዝዓፀወት ኣፍሊጣ።