ማሕበር “Tigray crisis response group” ኣብ ትግራይ ንዝርከባ ኣዴታትን ትሕቲ ዕድመ ህፃናትን ሓገዝ ከምዝገበረ ተገሊፁ።

ማሕበር ትግራይ ክራይሲስ ሪስፖንስ ግሩፕ ኣብ ሃገረ ኣዉስትራልያ መቐመጢኡ ዝገበረ ኮይኑ ኩናት ትግራይ ዘስዐቦ ቅልዉላዉ ንፁጉማት ወገናት ናይ ምግቢ ሓገዝ ከምዝገበረ ተሓቢሩ።

እዚ ማሕበር ክሳብ ሐዚ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ; ዓድዋን ዓዲግራትን ንዝተፈናቐላ ኣዴታትን ኣብ ዉሽጢ እቲ ኸተማ ዝርከባ ፅጉማት ወገናትን ናይ ምግቢ ሓገዝ ኣበሪኪቱ ኣሎ።

ኣብ ከተማ ኣኽሱም ን 600 ኣዴታት ; ኣብ ዓድዋ ን 700 ኣዴታት ኣብ ከተማ ዓዲግራት ድማ ን 500 ኣብቲ ከተማ ዝርከባ ዝተፀገማን ካብ ካልእ ቦታ ዝተሰደዳን ኣዴታት እቲ ሓገዝ ከምዝወዓለ ተፈሊጡ ኣሎ።

ነዚ ማሕበር ካብ ዘተሓባብሩ ሓደ ዝኾነ በረከት ሞኮነን ትግራይ ክራይስስ ሪስፖንስ ግሩፕ ኣብ ኣዴታትን ትሕቲ ዕድመን ትኹረት ጌሩ ዝሕግዝ ከም ዝኾነን ብፍላይ ድማ ወፍሪ ኣዴታት ብዓወት ብምኽምባቱ ናቱ ዓስቢ ከምዝኾነ ተዛሪቡ።

ብተወሳኺ ዉፅኢት ምትሕብባር ተጋሩ ዛጊድ ዓበይቲ ዓወታት ይሕፈሱ ኣለዉ ዝበለ ሓላፊ ማሕበረ ኢኮኖሚ ኣይተ ካሳሁን ነቲ ክሳብ ሐዚ ብግዱሳት ተጋሩ እናተወፈየ ዝመፀ ሓገዝ ብምንኣድ መሰል ተግባራት ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ተላብዩ።

ብተወሳኺ እዚ ወራር ከም ተጋሩ ዝተፈረደና ስለዝኾነ ኣብ ኩለን ከተማታት ዝርከቡ ወገናት ተመሳሳሊ ሓገዝ ንኽረኽቡ ኩሉ ትግራዋይ ተረባሪቡ ህዝቡ ካብ ሞት ከድሕን ይግባእ ኢሉ።

ኣብ ከተማ ዓዲግራት ብኣሸሓት ዝቑፀሩ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ዝተመዛበሉ ወገናት ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብቲ ከተማ ቅድም ኢሉ ዝተጣየሸ ማሕበር ምትሕግጋዝ ህያብ ብዝበሃል ግዱሳት ነበርቲ እቲ ኸተማ እቲ ዝተመዛበለ ወገን ካብቲ ነባሪ ህዝቢ እናተዋፀአሉ ፆሙ ከይሓድር ኣብ ምግባር ይሰርሑ ከምዝፀንሑ ኣብቲ መድረኽ ተገሊፁ።

ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ትግራይን ተጋሩን ንምዉራር ዕስለ ኾይኖም እግሮም ናብ ትግራይ ዝረገፁላ መዓልቲ ህዝቢ ኣፈናቒሎም ; ንብረት ኣዕንዮምን ዘሚቶምን ደቂ ኣነስትዮ ደፊሮም እንተብቅዑ እቲ ህዝቢ ብሂወት ከይፀንሕ ዝኾነ ዓይነት ሰብኣዊ ሓገዝ ከይረክብ ናይምኽልካል ኣዋጅ ድሕሪ ምእዋጆም ብርክት ዝበለ ሰብ ሰኣን ቀረብ ምግቢ ሂወቱ ይስእን ምህላዉ ይፍለጥ።