ኣብ ኣሜሪካ ዋሽንግተን ዲሲ፡ ብስነ ጥበባውያን ተጋሩ ዝተዳለወ ምርኢት ሙዚቃ ተኻይዱ።

እቲ ሓደ ዓመት ዘቑፀረ ወራር ትግራይ ኣመልኪቱ ኣብ ኣሜሪካ ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓዉሞ ዝቐፀለ ምርኢት ሙዚቃ ዝተሳለጠ እንትኾን ዕላምኡ እዉን ንእቶት መተኣኻኸቢ ዝዉዕል ከምዝኾነ እዩ ተሓቢሩ።

ዲያስፖራ ተጋሩ እቲ ናይ ህዝቦም ስቓይ ዓለም ፈሊጥዎ ጠመተ ሂቡ ሓገዝ ክገብርን ክቃወምን ንምግባር ሓደ ዓመት ሙሉእ ድምፆም እናጋወሑን ሃፍተ ንዋዮም እናፈሰሱን መፅዮም እዮም።

ካብዚ ዝቐፀለ ድማ ድምፃዉያን ትግራይ በቢዉዳበኦም ጌሮም መድረኽ ምርኢት ሙዚቃን መዘናግዕን እናፈጠሩ ንእቶት መተኣኻኸቢ ዝዉዕል ካብ Nov 4 ጀሚሩ ተሳሊጡ እዩ።

ኣብቲ መድረኽ ብርክት ዝበሉ ተጋሩ ዝተረኸቡ እንትኾኑ በቲ ገስጋስ ሰራዊት ትግራይ ከምዝተሓጎሱን ዘመላኽቱ ሙዚቃታት ተሰሚዖም እዮም።

ኣብቶም ካልኦት ክፋላት ዓለም ዝተሳለጡ ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት ወራር ትግራይ እዉን ተመሳሳሊ ምርኢት ሙዚቃ ዝተኻየደ እንትኾን ጎናጎኒ እቲ ሰልፊ ተቓዉሞ ተሳታፍቲ ናብቲ ምርኢት ሙዚቃ ብምእታዉ እናተዘናግዑ እቶት ዘተኣኻኽብሉ መድረኽ እዩ።

ቅድም ኢሉ ኣብ ኣሜሪካን ኣዉሮፓን ሱዳንን ገለ ድምፃዉያን ተጋሩ ሙያኦም ዝእዝዞ ቃልሲ ብምክያድ ንዝተፈናቐሉን ንዝጠመዩን ዝዉዕል ሓገዝ ንምትእኽኻብ ዝተፈላለዩ መድረኻት እናካየዱ መፅዮም እዮም።

ነዚ ስዒቡ እዉን ድምፃዉያን ተጋሩ ኣብ ጓጓ ፀላእን ኣብ ደገን ዘለዉ ብምንባብ እቲ ህዝቢ ንመሰሉ ክቃለስን ናብ ቃልሲ ክፅምበርን ዘለዓዕሉ ሙዚቃታት ናብ ተመልከቲ ብምብፃሕን ኢሉ እዉን ዓበይቲ መድረኻት ብምድላዉ ኣብ ዘቕርብዎም ስራሕቲ ስነ ጥበባት በቲ ዝርከብ እቶት ናእዳን ሞሳን እናረኸቡ እዮም።