ኣብቲ ብመንግስቲ ኢትዮጲያ ኣቢሉ ዝተፀወዐ ሰልፊ ምርኢት ሙዚቃ ከቕርብ ዝተፀወዐ ትዉልደ ብሄር ክልል ደቡብ ዝኾነ ስነ ጥበባዊ ታሪኩ ወይ ድማ ድሽታጊና “ኣነ ክደርፍ ኣይኮንኩን መፅየ ደም ምፍሳስ ይኣኽለና ክብል እየ መፂኤ ክብል እናነበዐ መደረ ኣስሚዑ።
በቲ ዘረብኡ ዝደንገፁ ሰልፈኛታት ደገፍቲ ስርዓት ኢትዮጵያን ኣባላት ባንድን ዋላ እኳ ዋጭ ዋጭ እንተበሉ ንሱ ግን ብምቕፃል መናእሰይ ዘይኮኑስ ዕረቀ ሰላም ንኽወርድ ዝልምኑ ኣቦታት ንልኣኽ ክብል ተዛሪቡ።
ታሪኩ እቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ ባህላዊ ክዳን ደርብዩ ሙሉእ ፀሊም ብዝኾነ ክዳንን እናነበዐን ዝተርኣየ እንትኾን ደቡቡ፣ ሰሜኑ ምዕራቡን ምብራቑን ኩሉ ፍጡር ኣዳም እዩ መኣዝ እዩ ፀሊም ክዳን ምኽዳን ጠጠዉ ክነብል እናበለ ይስማዕ።
እቶም ክስዕስዑ ተዳልዮም ዝነበሩ ሰልፈኛታትን ላዕለዎት ኣመራርሓ መንግስቲ ፌደራልን ዓብዪ ድንጋፀ ካብ ገፆም ንምዕዛብ ዝተኽኣለ እንትኾን እቶም ኣባላት ባንዲ ዘረባ ታሪኩ ንዘይምቕፃል እቲ ሒዝዎ ዝነበረ ዋይርለስ መጋዉሒ ድምፁ ብምጥፋእ ናብ ሙዚቃ እንትኣትዉ ተራእዮም።
በቲ ዘረባ ታሪኩ ዝጓሃዩ ደገፍቲ ስርዓት ኢትዮጵያ እቲ ድምፂ ሙዚቃ ሓፍ ኣቢሎም ዝጀመርዎ እንትኾን ንሱ ድማ ሰላም ጠፋ ; ፍቅር ጠፋ ; ወይኔ ወገኔ የኣዳም ዘር የሄዋን ዘር እናበለ ንብዓት ዝተሓዋወሶ ደርፊ ኣስሚዑ።
ድምፃዊ ድሽታጊኒ ህልዉ ኩነታት እዛ ሃገር ንምቅላዕ እምበር ነቲ ሰልፈኛ ንምዝንጋዕ ከምዘይመፀ ኣብቲ መድረኽ ብቃልን ብተግባርን ኣርእይዎም እዩ።
ይኹን እምበር ኢትዮጲያዉያን ድምፃዉያን ምስ ንፋስ ፖለቲካ እናተኸተሉ ዝኸዱ ንምዃኖም ፅባሕ ድማ መሊሶም እንታይ ከምዝብሉ ኣይፍለጥን ስለዝኾነ እዉን ኣብ ዝኾነ ኢትዮጲያዊ እምነት ምቕማጥ ኣይከኣልን ክብሉ ገለ ተጋሩ ትዕዝብቶም ገሊፆም።