መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ብሄረ ትግራይ ነበርቲ ኣዲስ-ኣበባ ብሄር መሰረት ዝገበረ ጅምላዊ ማእሰርቲ ይፍጽም ከምዘሎ ሲኤንኤን ኣቃሊዑ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣዋጅ እቶ እቶ እዋን ካብ ዝእውጅ ንነዘ እቲ ቅድሚ ሐዚ ብሰላሕታ ዝገብሮ ዝነበረ ኣበርቲዑ ብምቅጻል ማእሰርቲ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ተጋሩ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ምግፋፍ ዝርከብ እንትኸውን ዕድመ፣ጾታን ምክንያት ከይፈለየ ብሄር መሰረት ብምግባር ጥራሕ ተጋሩ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ እናገገፈ ይኣስር ከምዘሎ ሲኤንኤን መሰካክር ዓይኒ ኣዛሪቡ ጸብጺቡ።

እቶም ንሲኤንኤን ዘዛረቡ ብርክት ዝበሉ ተጋሩ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ፖሊስ ኢትዮጲያ ንምንታይ ከምዝኣስሮም ክንገርዎም ከምዘይከኣሉ ዝተዛረቡ ኮይኖም ንዘተኣሰሩ ሰባት ድማ ምሕታትን ምራኣይን ከምዘይከኣል ገሊጾም።

ሓንቲ ጽጌረዳ ዝተበሃለት ንሲኤን ኤን ዝተተዛረበት ትግራወይቲ ነባሪት ኣዲስ ኣበባ 70 ዝዓመቶም ሽማግለ ቀሺ ፖላዊስ ኢትዮጵያ ቅድሚ ስለስተ መዓልቲ መጺኦም ከምዝወስድዎም ተዛሪባ።

እቶም ፖላዊስ ናብ ገዛ ኣትዮም ፈቲሾም ዝረኸብዎ ነገር እኳ ዋላ እንተዘይሃለወ “ንምርመራ ንደልዮም ኢና” ኢሎም ከምዝወሰድዎ ሓቢራ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተጋሩ ብዘይ ምክንያትን መረዳእታን ምእሳር ዝተለመደ ነገር ኮይኑ ኣሎ ዝበለት ጽጌረዳ እቲ ነባሪ ወዲ ካሊእ ቢሄር ማሕበረሰብ ዝኾነ ከምዘይመስሎ ተዛሪባ።

ተጋሩ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ካብ ስራሕ ቦታ፣ መንበሪ ገዛ፣ መገዲን ካልኦት መዘናጊዒ ቦታታትን እናተገፈፉ ብፖላዊስ ኢትዮጲያ ዝውሰዱ ዘለው እንትኸውን ኣብ ዘይተፈለጡን ዝፍለጡን “ኮንሰትሬሽን ካምፕታት” ይዕጎሩ ከምዘለው ይፍለጥ።

ብመንግስቲ ኢትዮጲያ ዝምወልን ዝሽወምን ኮሙሽን ሰብኣዊ መሰልት ኢትዮጲያ እውን ከየተረፈ ኣብ ኣዲስኣበባ ብሄር መሰረት ዝገበረ ማእሰርቲ ይፍፀም ኣሎ ዝበለ እንትኸውን ተጋሩ ካብ ዝተረከቡሉ ኩሎም ቦታታት ይእሰሩ ከምዘለዎ ምፍላጡ ይዝከር።