መንግስቲ ኢትዮጵያ: ሰብ ዋና ገዛ ዝርዝር መንነት ተኻረይቶም ንፖሊስ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ከፍልጡ ኣዚዙ።

ፈፃሚ ኮማንድ ህፁፅ ኣዋጅ ኢትዮጵያ ኣዋጅ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ፈፂመዮም’የ ዝበሎም ተግባራት ብምዝርዛር ሓደሽቲ ትእዛዛት ኣብ ዘመሓላልፈሉ እዋን ሰብ ዋና ገዛ ዝርዝር መንነት ተኻረይቶም ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ንፖሊስ ከፍልጡ ኣዚዙ።

ትእዛዝ ኣብዘይፍፅሙ ነበርቲ ስጉምቲ ከምዝወስድ እውን ተሓንዩ።

ተጋሩን ሓደ ሓደ ስግኣት ክኾኑኒ ይኽእሉ ዮም ዝበሎም ተወለድቲ ኦሮሞን ሶማልን ብመንነቶም ጥራሕ ኣብ ምእሳር፣ ምንግልታዕን ንብረትን ኣብ ምዝማትን ተዋፊሮም ከምዘለው ዝንገረሎም ሓይልታት ፀጥታ ኢትዮጵያ፡ ክሳብ ሕጂ ኣሽሓት ተጋሩ ዝኣሰረ እንትኾን እዚ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ድማ ገሊፁ።

ኣብ ስርቂ ዝሓበረ ሌባ ኣብ ንብረት ክፍፍል ይበኣስ ከምዝበሃል፣ ኣብዚ ጭካነ ዝተመልኦ ኣብ ሰላማውያን ተጋሩ ዝግበር ወፍሪ ምእሳር፣ ምንግልታዕን ንብረት ምውራስን ኣየሐጎሱንን ዝበሎም ኣባላት ፀጥታ ኣጠንቂቑ።

ዝተውሃቦም ተልእኾ ብኣግባቡ ኣብዘይዋፅኡ ስጉምቲ ከምዝወስድ እውን ተሓንዩ።

ብሓይልታት ምክልካል ትግራይ ስዕረት ኣብ ልዕሊ ስዕረት ዝጎናፀፍ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሰለማዊ ነበርቲ ተጋሩ ከም ዋና ተሓተቲ ብምቅማጥ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ሓዱሽ ወፍሪ ማእሰርቲ ምጅማሩ ዝፍለጥ ኮይኑ ነዚ ተግባሩ ኣጠናኺሩ ንምቕፃልን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጲያ ዝነብሩ ተጋሩ ብዘይገደብ ንምጥቃዕ ዘኽእሎ ሃገራዊ ኣዋጅ እቶ እቶ ምእዋጁ ይዝከር።