ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ምስ ሰበስልጣናት ክልል ኣምሓራን ፌደራልን ዘካየዶ ናይ ራሕቒ ቃለ መሕትት መሰረት ገይሩ ዘውጽኦ ፀብፃብ ቅቡል ከምዘይኮነ መንግስቲ ትግራይ ገሊፁ።

መንግስቲ ትግራይ ኣምነስቲ ቅድም ክብል ኣብ ትግራይ ከምኡ ውን ካልኦት ከባብታት ኢትዮጵያ ዘጋጠሙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንምቅላዕ እንዳገበሮ ዝመጽአ ምንቅስቓስ ዝነኣደ መንግስቲ ትግራይ እቲ ትማሊ 1 ሕዳር 2014 ዓ/ም ዝወፀአ ፀብፃብ ግን ሓቅነት ዘይብሉ ዩ ክብል ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ሓቢሩ።

እቲ ዓመፅ ተፈፂሙሉ ዝተብሃለ ከባቢ ኣብ ቁፅፅር መንግስቲ ኢትዮጵያን ተስፋሕፋሕቲ ኣምሓሩን ዝርከብ ብምዃኑ ኣምነስቲ ሰብ ሞያ ልኢኹ ብኣካል ኣብቲ ቦታ ተረኺቡ ከፅንዕን ክምርምርን እናተገበኦ፤ ብናይ ርሕቐት ቪድዮ ቃለ መሕትትን ሰበስልጣናት ክልል ኣምሓራን ፌደራልን ዝሃብዎ ናይ ሓሶት ቃልን ከም መርትዖ ወሲዱ ነቲ ፀብፃብ ምውፅኡ ፍፁም ተቐባልነት ዘይብሉ እዩ ኢሉ ኣብ መግለፂኡ።

ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዝበፅሐ ግፍዕን በደልን ዝወለዶ ሰራዊት ትግራይ ንቕድሚት ዝግስግስ ዘሎ፤ ክባታት ብምፍንፃሕ ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቡ ንምርግጋፅ እምበር ተመሳሳሊ ተግባር ናይ ምፍፃም ባህርን ልኡኽን ከምዘይብሉን ብስነ-ምግባር ሰራዊት ትግራይ ፈፂሙ ከምዝተኣማመንን መንግስቲ ትግራይ ኣብቲ መግለፂ አመልኪቱ።

ዓመፅ ደቂ ኣንስትዮ ኣምሪሩ ከምዝቃወም ዝገለፀ መንግስቲ ትግራይ፣ እቲ ተፈፂሙ ዝበሃል ዘሎ ገበን ሓቅነት እንተሃልዩዎ ብዘይወገንተኛ ኣካል ክፃረ ድጋፍ ከምዝገብርን በዚ መንገዲ ኣብዝርከብ ገበነኛ ግቡእ ቅፅዓት ከምዝወስድን እውን ገሊፁ።

አምነስቲ ኢንተርናሽናል ትማሊ 1 ሕዳር 2014 ዓ/ም፣ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ፍርቂ ነሓሰ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣምሓራ ፆታዊ ዓመፅ ፈፂሞም እዮም ዝብል ሓቅነት ዘይብሉ ፀብፃብ ዕላዊ ምግባሩ ዝፍለጥ ዩ።