ክፍሊ ፀረ-ነፋሪት ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ሎሚ ንጎሆ ኣብ ግንባር ሚሌ ሓንቲ MI-35 ዝዓይነታ ሄሊኮፕተር ኣውዲቖም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ዝምድናታት ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ትዊተር ገፁ ከምዝሓበሮ ክፍሊ ፀረ-ነፋሪት ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ሎሚ ንጎሆ ኣብ ዓፋር፣ ግንባር ሚሌ ሓንቲ MI-35 ዝዓይነታ ሄሊኮፕተር ወቒዖም ከምዘውደቑ ሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመሬት ሺሾ ሰራዊት ብሰማይ ድማ ካብ ተራ ወተሃደራዊ ኣውሮፕላን ክሳብ ዘመናዊ ድሮን ተሓጊዙ ይዋጋእ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ካብ ግንባራት ብተውሳኺ ሰላማዊ መንበሪ ዕላማ ዝገበረ ደብዳባት እንዳገበሩ ዝቐነየ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ከባብታት መቐለ፣ ዓድዋ፣ ኣግበ፣ ኣጉላዕ፣ ማይፀብሪ፣ ዓዲ ሃገራይን ካልኦት ቦታታትን ፅዑቕ ደብዳባት እንዳካየደ ከምዝቐነየ ይፍለጥ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ወራር ካብ ዝጅምር ብርክት ዝበላ ነፈርቲ ኲናት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብጅግና ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ከምዝተሓምሸሻ ይፍለጥ።