ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ፡ ናብ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ናብ ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ከምዝገይሽ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶንዮ ብሊንከን ቀጻሊ ሰሙን ናብ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ናብ ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ከምዝገይሽ ቢቢሲ ሓቢሩ።

እቲ ሚኒስትር ናብ ኣፍሪቃ ዝገብሮ ምብፃሕ ንመጀመርታ ጊዜ ክኸውን ከሎ ናብ ሃገራት ኢትዮጵያ፣ ኬንያ፣ ሴኔጋልን ናይጀሪያን ብምኻድ ምስ መራሕቲ እተን ሃገራት ከምዝዝቲ እውን ተገሊፁ።

ንሱ ቀዳምነት ናብ ኬንያ ምብፃሕ ዝገብር ክኸውን ከሎ ኣብ ጉዳይ ቅልውላው ኲናት ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ሶማልያን ኣመልካቱ ከምዝዝቲ ኣረዲኡ።

ብነበር ፕረዚዳንት ናይጀሪያ ኦሉሴጎ ኦባሳንጆ ከምኡ እውን ብኣምባሳደር ጄፍሪ ፌልትማን ብዝገብርዎ ዘለው ፃዕሪ
ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ቅልውላው ኲናት ደው ብምባልን ቀፂሉ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣቱ ብምግባርን ድሕሪ ጊዜ ድማ ዘላቒ ዝኾነ ፖሎቲካዊ ዘተ ንኽግበር ተስፋ ከምዘለዎ ብሊንከን ሓቢሩ ምንባሩ ይፍለጥ።

ኣመሪካን መሻርኽታን ሓይሊ ሚዛን ሓይልታት ምክልኻል ትግራ፡ ወተሃደራዊ ፀብለልታ እናርኣየ ብምምፅኡ ኢትዮጵያ ከይትፈርስ ዝብል ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ኣትየን ከምዘለዋ ተዓዘብቲ ይገልፁ።