እቲ “ምስ ራዕዳዊ ጉጅለ እንተተዛትየ ክሳደይ ንኻራ” ክብል ዝፀንሐ ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ምስ መንግስቲ ትግራይ ንምዝታይ ሰለስተ ቅድመ ኩነት ኣቐሚጡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብመንገዲ እቶም ጀነራላቱ ኣቢሉ “ሓደ ጋንታ የብሎምን፣ ኣብ ሸሞንተ ማእከል መሰልጠኒ ዝነበረ ሓይሎም ደምሲስናዮ፣ ዝተረፈና እቲ ካብ መኪና ወሪዱ ብእግሩ ብእግሩ ዝሃድም ዘሎ እዩ” ወዘተ ብምባል እናሻዕ ተዛሪቡሉ እዩ።

ሓንሳብ እውን ባዕሉ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ህወሓት ማለት ኣብ ኣየር ከምዝተበተነ ሕርጭ ሕሰብዎ። ኣብ ኣየር ዝተበተነ ሕሩጭ ድማ መሊስካ ክትእክቦ ኣይትኽእልን ኢኻ ኢሉ ካቢነኡ ኣኪቡ ብብድዐ ተዛሪቡ እዩ።

ድሕሪ እዚ ኩሉ ፈኸራ እዩ እምበኣር ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ኣብ ኣፍንጭኦም ምስ በፅሐ ኲናት ትግራይ ክፍታሕ እንተኾይኑ ሰለስተ ቅድመ ኩነት ከማልእ ኣለዎ ዝብል ብመገዲ ወሃቢ ቃል ሚኒሰትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይን ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ትግራይ ክፍታሕ እንተኾይኑ ህወሓት ሰለስተ ረቋሒ ከማልእ ብወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዲና ሙፍቲ ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ ፀዊዑ።

ብምዃኑ እውን ሓይልታት ትግራይ ቀዳምነት ክንዛተ እንተኾይንና ክገብርዎ ዝግባእ ሓደ መጥቃዕቲ ደው ከብሉ፣ ካልኣይ ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ክወፁን ሳልሳይ ሕጋውነት ፌዴራል መንግስቲ ክቕበሉን ይግባእ ኢሉ።

እዚ ቅድመ ኩነት ንማሕበረሰብ ዓለም ከምዘፍለጡ እውን ዲና ሙፍቲ ተዛሪቡ። እዚ ክሳብ ዝኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዘተ ሰላም ቅሩብ ከምዝኾነ እውን ሓቢሩ።

እቲ ወሃቢ ቃል ከምዝበሎ እዞም ዝበልናዮም ቅድመ ኩነታት ናብ ዕርቂ ክቐርቡን ዘይክቐርቡን ከምዝኽእሉን ብምግላፅ ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ሽምግልና ከምዘይተጀመረ ድማ ገሊፁ።

እንተኾነ ክልቲኦም ንምትዕራቕ ፃዕርታት ከምዘለው ‘‘ንሰላም ዕንቅፋት ዝኾኑ ነገራት እንድሕር ተወጊዶም ናብ ሰላም ዘይንኸደሉ ምኽንያት የብልናን’’ ብምባል ‘‘መስረትቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኢና፡፡ ስምዒት ሕብረት ኣፍሪቃ ንቕበል ኢና፡፡ ጸገማት ንምፍታሕ ብወገን ኣፍሪቃ ዝግበሩ ፃዕሪታት ካብ ዝኾነ ኣካል ንላዕሊ ቀዳምነት ንህብ ኢና” ክብል ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኣረጋጊፁ።

ብተወሳኺ ብወገን ኢትዮጵያ ዘሎ ቅዋም እንታይ እዩ እንተተባሂሉ፡ ንሕና ንሰላም ሓድሽ ቅዋም ከምዘየለን መንግስቲ ንሰላም ዕንቅፋት ዝኾኑ ማሕለኻታት ዝውገዱሉ መንገዲ ክፍጠር ድልየት ከምዘለዎን ኣብሪሁ፡፡

ቅድም ክብል እቲ መንግስቲ ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ትካላትን ሃገራትን ንዝቐረበሉ ናይ ተዛተዩ ሕቶ፡ ብሽም ሕጊ ምኽባር ይነፅጎን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ እታ ሃገር ከይኣትዉ ይፅውዕን ምንባሩ ይፍለጥ፡፡

እንተኾነ ካብ ቀረባ ግዚያት ጀሚሩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብገስጋስ ሓይልታት ምክልኻል ብምስምባዱ ውሽጢ ውሽጢ ናይ ኣታዓርቑኒ ልመና የካይድ ከምዘሎ ተዓዘብቲ ይገልፁ።