ግብረ ሓይሊ ትምህርቲ ትግራይ ኣብ ትሕቲኡ ኮሚቴታት ምትእልላሽ ሃፍቲ፣ ፅሬትን ስታንዳርድን ከምኡ እውን ምልዕዓልን ምውዳብን ተጣይሾም ይሰርሑ ምህላዎም ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዶ/ር ሽሻይ ኣማረ ኣፍሊጡ።
ኮሚቴ ምትእልላሽ ሃፍቲ ብማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝምራሕ ኮይኑ ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ፣ ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን መንግስታዊ ዘይኮኑ መሓዙት ልምዓትን ሓዊሱ 22 ትካላት ዝሓቖፈ እዩ።
ኣብ ሓፂር ትልሚ ብወረርቲ ሓይልታት ዝዓነወ መሰረተ-ልምዓት ትምህርቲ ንምምሕያሽ ብማእኸላይ ድማ ኣካል ዳግመ-ህንፀት ትግራይ ዝኾነ ስትራቴጂካዊ ኣካይዳታት ትምህርቲን ስርዓተ ትምህርትን ዓሊሙ ዝተጣየሸ ምዃኑ ዶ/ር ሽሻይ ሓቢሩ።
ፈፃሚ ዳይሬክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ተስፋይ ገብረእግዚኣብሄር ትምህርቲ ትግራይ ፈለማ ብምኽንያት ኮሮና ድሒሩ ድማ ብወረርቲ ሓይልታት ትምህርቲ ምቁራፁ ብምዝኽኻር ኣብ ትካላት ትምህርቲ ዝበፀሐ ዕንወት ኣብ ሓፂር ግዜ ንምምሕያሽ ይሰርሑ ምህላዎም ገሊፁ።
ወረርቲ ሓይልታት ኣብ መሰረተ-ልምዓት ትምህርቲ ዘብፅሕዎ ጉድኣት “ትግራይ ብዝገደደ መልክዑ ትዓኑ ትምህርቲ ብምኽልካል ምዃኑ ሓሲቦም ዝኽእልዎ ጌሮም እዮም” ዝበለ ኣይተ ተስፋይ “ዘይምምሃር ትውልዲ ምቕታል ስለዝኾነ” እቲ ዝኸበደ ኣብ እምኒ ኮፍ ኢልካ ኣብ ሞቕሎ እናፀሓፍካ እውን ይኹን ምምሃር ከምዘድሊ ጠቒሱ።
ትምህርቲ ምስ ህንፀት ወለዶ ስለዝተኣሳሰር ይፅናሕ ዝበሃል ኣጀንዳ ብዘይምዃኑ ትምህርቲ ትግራይ ናብ ንቡር ንምምላስ “ሓደ ሰብ ንሓደ ተምሃራይ ዘድሊ ናውቲ ክድግፍ” ኣብ ሕብረተሰብን ካልኦት ኢኮነሚያዊን ማሕበራዊን ውዳበታትን ይሰርሑ ምህላዎም ተዛሪቡ።
ብማእኸላይ እዋን ትልሚ ኮምፒዩተር፣ ናውቲ ቤተ ፈተነ፣ መፃሕፍትን ካልኦትን ንምምላእ ከምዝሰርሑ ዝሓበረ ፈፃሚ ዳይሬክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ተስፋይ ገብረእግዚኣብሄር “ኣብዚ ማሕበረሰብ ዲያስፖራን ዓለምለኸ ውዳበ ምሁራት ተጋሩን ኣብቲ ዘለውዎ ዓዲ ዘሎ ንዓኣቶም ዝውገድ ንብረት ኣባና ስለዝጠቅም ብሰፊሑ ክሰርሑሉ ንፅውዕ” ኢሉ።
ግዝያዊ ሓላፊ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ትግራይ ኣይተ መኮነን ገብረእግዚኣብሄር ብወገኑ ትምህርቲ ምጅማር ወለዶ ምቕፃል ስለዝኾነ ብክልል ብርኪ ካብዘሎ ሃፍቲ ንትምህርቲ ዘድሊ ናውቲ ኣብ ምትእኽኻብ ይሰርሕ ምህላው ኣፍሊጡ።