ማሕበር ልምዓት ትግራይ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ንምሕያል መፃሕፍቲ ኣበርኪታ።

ኣብ መሰረተ-ልምዓት ትምህርቲ ዝበፀሐ ዕንወትን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተነበረ ዕፅዋ ስዒቡ ዝተፈጠረ ምድቃቕ ኢኮነሚን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝመርሖ ኮሚቴ ምትእልላሽ ሃፍቲ ናውቲ ትምህርቲ ንምምላእ ይሰርሕ ኣሎ።

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ናውቲ ትምህርትን ልዕሊ 10 ሽሕ ሓገዝቲ መፃሕፍትን ንቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ብሓገዝ ኣበርኪታ።

ፈፃሚ ዳይሬክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ተስፋይ ገብረእግዚኣብሄር “እቲ ንገብሮ ዘለና ሓገዝ ተማእኺሉ ብቢሮ ትምህርቲ ናብተን ብጣዕሚ ዘድልየን ኣብያተ ትምህርቲ ክበፅሕ ምእንቲ ደብተር፣ ቢሮ፣ እርሳስን ካልኦት መሳርሒ ፅሕፈትን ካብኡ ሓሊፉ እውን ዝተፈላለየ ትሕዝቶ ዘለዎም ከባቢ 10 ሽሕ መፃሕፍቲ” ከምዘበርከተ ገሊፁ።

ነቲ ኣበርክቶ ዝተቐበለ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዶ/ር ሽሻይ ኣማረ “ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብዚ ቁርፂ ግዜ እዚ እውን ህፃውንቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ክውዕሉ ኣለዎም ዝብል ተበግሶ ብምውሳድ እዚ ብርክት ዝበለ ናውቲ ብምልጋሳ” ኣመስጊኑ።

ዶ/ር ሽሻይ ወሲኹ ኣብ ውሽጥን ደገን ዝርከብ ትግራዋይን ካልኦት መንግስታውን ዘይመንግስታውን መሓዙት ትምህርቲ እውን “ንተጋሩ ህፃውንቲ ንደቆም ውፍያት ክኾኑ ናይ ሎሚ ልገሳ ኣብ ትምህርቲ ናይ ፅባሕ ልምዓትን ብርሃንን ምዃኑ ኣሚኖም ኩሎም ኣበርቲዖም ክሰርሑ” ፀዊዑ።