ህወሓት ንሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ወኪሉ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ስምምዕ ናይ ምግባር ስልጣን ኣለዎ’ድዩ?

ኣብ ዝሓለፉ ሰሙን ትሸዓተ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምቅላስ ዝርከባ ውድባት ናብ ሓደ ብምምጻእ ቃልሰን ንምውዳድ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ጥሙር ግንባር መስሪተን። ኪዳን ፌደራሊስትን ኮንፌደራሊስት ሓይልታት ኢትዮጵያ ዝብል ሽም ድማ ተዋሂብዎ’ሎ።  ኣብ ሰላማዊ ቃልሲ ዝርከቡ ውድባት ዘጠቃልል ኣይኾነን። እዞም ትሸዓተ ሓይልታት ዝተፈላለየ ብሄራት ካብ ምውካሎም ብተወሳኪ ኣብቲ ሽም እቲ ጥምረት ከምዝተጸባረቐ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ድሌትን ባህጊን ዘለዎ ሓይልታት እዮም። 

ካልኣይ እቲ ጥሙር ግንባር ወታደራዊን ፖለቲካዊን ስምምዕነትን ዕላማን ዘለዎ እዩ። እተን ውድባት ፖለቲካዊ ባህግን ዕላማን ዝተሓንገጠ፡ ፖለቲካዊ ቃልሶም ንምውዳድን ጥራሕ ዝፈጠርዎ ጥምረት ዘይኾነስ ወታደራዊ ምንቅስቃሶምን  ቃልሶሙን ንምንባብን ዘለዎም ሓይሊ ሰብን ካሊእ ሃፍተ ወዋይ ብሓባር ንምጥቃምን ንምክፋልን እውን ዝዓለመ እዩ። እዚ ንምግባር ድማ ናይ ሓባር ኮማንድ ኣጣይሾም እዮም።

እቲ ጥሙር ግንባር ኣንጻር ኣብቲ ሐዚ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝገብርዎ ዘለው ወታደራዊን ፖለቲልካዊን ቃልሲ ካብ ምውዳድድ ሓሊፉ ኣብ ኢትዮጲያ ሰላማዊን ውሑስን ስግግር መንግስቲ ክህልው እውን ዝዓለመ እዩ። ነዚ ድማ ድሕሪ ውድቀት ኣብይ ኣብ ዘሎ ፖለቲካዊ ባይታ ኩሉ ዘሳተፈ ሃገራዊ ዘተ ክህልውን ስግግር መንግስቲ ክምስረትን ብሓባር ክሰርሑ ተሰማዕሚዖም። 

ካብዚ ብተወሳኪ እተን ትሸዓተ ውድባት ኢ ሕገ-መንግስታዊ ብዝኮነ መገዲ መረፃ ኣናዊሑን ዳግም ኢ ሕገመንስግታዊ ብዝኮነ ኣግባብ መረጻ ብምክያድ መንግስቲ እየ ዝብል ዘሎ ውድብ ብልጽግና ከምዘይቅበለኦ ግልጺ ዝገበራ እንትኾና ዝኮነ ይኹን ዓይነት ሕገመንግስቲ እታ ሃገር ንምምሕያሽን ንምልዋጥ ዝግበር ፈተነ ምሉእ ንሙሉእ ተቀባልነት ከምዘይብሉን እውን ኣፍሊጠን።

መሰረታዊ ረብሓታት ፖለቲካዊን ወታደራዊን እቲ ጥሙር ግንባር 

ማሕበረሰብ ዓለም ሰራዊት ትግራይን ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞን ናብ ኣዲስ ኣበባ እናቐረበን እናተጸገዐን  ብዝመጸ ቁጽሪን ኣብታ ሃገር ከቢድ ደም ምፍሳስ ከይህልውን ናብ ዝበኣሰን ዝተናወሐን ናይ ሕድሕድ ኲናት ከይትኣትውን ዓብይ ስግኣት ሓዲርዎም ይርኸብ። 

ልዕሊ 115 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጲያ ድሕሪ ምውዳቅ መንግስቲ ኣብይ ውሑስን ጥንኩር ስግግር ከይገበረት ኣብ ሕድሕድ ኲናት ጥሒላ ከይትበታተን ኣብቲ ዞባን ልዕሊኡን  ፍልፍል ጎንጺን ስደተኛታትን ከይትኸውን  ብወገን ምዕርባውያን ኣሜርካን ዓብይ ስግኣት ኣሎ። እዚ ስግኣት ካብ ክልተ ፖለቲካዊ ግምትን ትንታነ ዝፍልል እዩ። ብሓደ ወገን መንግስቲ ኣብይ ሐዚ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣዲስ ኣበባ ሰፊሕ ተቀባልነት ኣለዎ እዩ ዝብል እንትኸውን ብካሊእ ወገን ድማ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ብህወሓት ዝምራሕን ዝግናሕን እዩ ካብ ዝብል እምነት ብምብጋስ ሕሉፍ ፖለቲካዊ ታሪክ እቲ ውድብን ኣብ ማእከል ዓዲ ዘለዎ ፖለቲካዊ ቁቡልነት  ኣብ ግምት ብምእታው  ህወሓት ብተናጸል እታ ሃገር ከረጋግዕን ክመርሕን ኣይክእልን ዝብል ጥርጣረን ግምትን እዩ። ካብዚ ስግኣት ብተወሳኪ ህወሓት ዳግም ፖለቲካዊ ስልጣን ኢትዮጵያ ክጭብጥ የብሉን ዝብል ፖለቲካዊ ዓላማ ዘለዎ ካብ ምዕርባውያንን ኣሜርካን ውጥም ቅልቅል ዝብሉ ድሌታት እውን ከምዘለው ክርሳዕ የብሉን።

ብምኳኑ ድማ እቲ ሐዚ ብሃገር ብርኪ ተመስሪቱ ዘሎ ጥሙር ግንባር እቲ ኣንጸር መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ሃገራዊን ካልኦት ብሄራት ዘሳተፈን ካብ ምዃኑ ብተወሳኪ ድሕሪ ምውዳቅ መንግስቲ ኣብይ  ውሑስ ስግግር መንግስቲ ክህልው ከምዝክእል መርኣይን ኩሎም ዕጥቛት ሓይልታት ናብ ሓደ ክመጹን ኣንጻራዊ ዝኮነ ዝተረጋገአን ዝተዋደደን ሰላማዊ ስግግር ክገብሩን ከምዝክእሉ ዘተኣማምን እዩ።

እቲ ጥሙር ግንባር ምዕራባውያን ኣሜርካን ውሑስ ስግግር መንግስቲ ብዝምልከት ዘለዎም ጥርጣረ ብመጠኑ ክቅንስን እቲ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ግልጺ ዝኮነ ኣንፈት (road map) ዝሓዘን ነዚ ንምትግባር ዝክእል ኩሎም ወታደራዊ ምንቅስቃስን ኣብ ምግባር ዝርኸቡ ሓይልታት ናብ ሓደ ብምምጻእ ሓባራዊ ዓቅሚን ሰፊሕ ማሕበረሰባዊ መሰረት ዘጥረየን ውሑስ ስግግር መንግስቲ ንምክያድ ሰፊሕ እንግደዐ ዘለዎ ከምዝኾነ ዘመላክት እዩ።

ካብዚ ብተወሳኪ እቲ ጥሙር ግንባር ህዝቢ ትግራይ ዝገብሮ ዘሎ ፖለቲካዊን ወታደራዊን ቃልሲ ብካልኦት ብሄራት ተደጊፉ ሃገራዊ መልክዕን ቅርጺን ሒዙ ብስፍሓትን ብዝተፈላለዩ ኣንፈታትን ዝካየድ ቃልሲ ስለዝገብሮ እቲ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ዲፕሎማሲያዊ ድጋፍ ክህልዎ ዝገብርን ኣብታ ሃገር ምስ ዝርኸቡ ሓይልታት ጥምረት ፈጢርካ responsible ሓይሊ ምዃንካ ዘርእይ እንትኸውን እቲ ቃልሲ ከም ሓደ እምነት ዝሕደረሉ ቃልሲ ዝገበር እዩ። 

ንበይንካ ምስ ዝግበር ቃልሲ እንትነጻጸር እቲ ጥሙር ግንባር ብወገን ሰራዊት ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ዝክፈል ናይ ሂወት፣ ናይ ኣካልን ንብረት መስዋእቲን ዋጋን ብመጠኑ እውን ዝቅንስ እዩ። ሰራዊት ትግራይ ዝከፍሎ ዘሎ መስዋእቲ ካብ ምቅናስ ሓሊፉ እቲ ጥምረት ብኣግባቡ ፖለቲካዊ ስራሕቲ ክሰርሕ እንተተጌሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያን ዝተጀመረ ትግራዋይ ዒላማ ዝገበረ  መጥቃዕቲ ንምቅናስን ንምክልካልን እውን ዓብይ ረብሓ ዝህልዎ እዩ። 

ካብዚ ብተወሳኪ ክሳብ ሐዚ ህዝቢ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ምስሊ ዘስተካክል እዩ። ክሳብ ሐዚ ኣብ ዝነበረ ወታደራዊ ቃልሲ ሰራዊት ትግራይ ጥራሕ ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጲያ ዝቃለስ ዘሎ ከምዝኮነ ዝቀርብ ዝነበረ ምስሊ ብምልዋጥ ብሃገር ብርኪ ዝግበር ዕጥቃዊ ቃልሲ ከምዝኮነ ዕላዊ ዝገብር እንትኸውን እቲ ቃልሲ ሃገራዊ መልክዕ ክሕዝን ብኡ ልክዕ ድማ ፖለቲካዊ ማሕበረዊ መሰረቱ ክሰፍሕን ብካልኦት ህዝብታት እቲ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ክድገፍን እንተነኣሰ ድማ ተቋውሞ ከይገጥሞ ፖለቲካዊ ሽፋንን ረብሓን ዝህብ እዩ። ሰራዊትን ህዝቢ ትግራይን ዝገብሮ ዘሎ ቃልሲ ብሃገር ብርኪ ፖለቲካዊ ማሓዛ ዝፈጥረሉን ብካልኦት ብሄራት ቃልሱ ተቀባልነት ክህልዎ ዝገብር እንትከውን ብካሊእ ወገን ድማ ሓይሊን ዓቅሚን ጽላኢ ክከፋፈልን ቁቡልነት ክስእንን ዝገብር እዩ።

ክሳብ ሐዚ ኣብ ዝነበረ ፖለቲካዊን ወታደራዊን ምንቅስቃስ ኩሎም ህዝብታት ኢትዮጲያ ኣንጻር  ትግራይ ዝገጠሙ ዝመስል መልክዕ ሒዙ ካብ ብዝሓት ክልላት ኢትዮጲያ ሓይሊ ሰብን ገንዘብ ክዋጻእ ዝጸነሐ እንትኸውን ሐዚ ድማ ብኣንጻሩ እቲ ኲናት ኩሉ ኣብ ልዕሊ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጲያን ልሂቃን ሓደ ብሄርን ዝግበር ኲናት ዝመስል መልክዕ ክሕዝ ብምግባር እቲ ልሂቃን ኣምሓራ ዘካይድዎ ዘለው ጎስጎስ ኲናትን ጨፍጫፍን ፖለቲካዊ ቁብልነት ክስእን ዝግበር እንትኸውን ካብ ካሊእ ክልላት ዝርከብ ዝነበረ ሓይሊ ሰብን ንዋትን እውን ክዳከም ካብ ምግባሩ ብተወሳኪ ዋና ፖለቲካዊ ድሌት ልሂቃን ኣምሓራ ጥራሕ ዝባኑ ክተርፍ ዝገብር እዩ።

ብወታደራዊ ዓይኒ እንትረአ ኣብ ትሸዓቲኤን ውድባት ዝግበር ጥምረትን ሓባራዊ ወታደራዊ ወፍሪን እቲ ግንባር ብብዙሕ ኣንፈት ናብ ዝግበር ውግእ (multiple front) ዝልውጥ እንትኸውን እዚ ሰራዊት ኢትዮጲያ ወታደራዊ ሓይሉን ዘለዎ ሎጂስቲክን ናብ ዝተፈላልውዩ ግንባራት ክብተን ብምግባር  ንወታደራዊ መጥቃዕቲ ዘመቻችውን እዩ። ናይ ትኩረት ኣንፈቱ ዝብትንን ዘዛብዕን እዩ። ክሳብ ሐዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘሎን ዘየልን ሓይሉ ኣካኪቡ ንኣንፈት ሰሜን ጥራሕ ዝነበረ ወታደራዊ ወፍሪታት ክገብር ዝጸነሐ እንትኸውን ብዝተወሰነ መልኩዑ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝተናበበን ዝተዋደደን መጥቃዕቲ ብዘይምንባሩ እፎይታ ሂብዎ ጸኒሑ እዩ። እንተኾነ እቲ ጥሙር ግንባር ሓባራዊ ኮማንድ ብምጥያሽ  ዝተናበበን ዝተዋደደን ወታደራዊ ስትራተጂ ሓንጺጹ ብዝተፈላለየ ኣንፈት እታ ሃገር መጥቃዕቲ ንምክፋት ዕድል ዝህብ እንትኸውን ከም ውጽኢቱ ድማ እቲ ወታደራዊ ናይ ሰንሰለት እዙ ተበጣጢሱ ዝርከብ ሰራዊት ኢትዮጵያ  ናይ ትኩረት ኣንፈቱ ክዛባዕ ብምግባር ሙሉእ ንሙሉእ እቲ ጥሙር ግንባር ወታደራዊ ሓይሊ ሚዛን ክህልዎ ዝገብር እዩ።

ካብዚ ብተወሳኪ ኣብዚ ሐዚ እዋን ሰራዊትን መንግስቲ ትግራይን፡ ብኩሉ ኣንፈት ብሰራዊት ኢትዮጲያን ኤርትራን ተከቢቡ ዝኮነ ይኹን ዓይነት ደጋዊ ረክቢን ንግዲን ከሳልጥ ዝክእለሉ መንገዲ ዕጽው ዝኮነ እንትኸውን ምስ ኣብ ዝተፈላለየ ጭፋትን ዶብን እታ ሃገር ምስ ዘለው ሓይልታት ስምምዕነት ምፍጻሙ ብመጠኑ እንተኾነ እውን ወታደራዊ ንብረትን ካሊእን መእተውን መውጺእን ዝረክበሉ ዕድል ዝፈጥር እዩ።

ብተመሳሳሊ ሰራዊት ትግራይ ካብ ህዝቡ እናረሓቀ ኣብ ዝኸደሉ እዋንን ናብ ካልኦት ሓደሽቲ ክልላት ምእታው እንትጅምር ምስ ዝተፈላለዩ ህዝቢታትን ብሄራት ጥምረት ምፍጣር ግድን ዝብሎ እዩ። እዚ ብዋናነት ምስቲ ኣብቲ ዝኣትወሎም ክልል ዝርከብ ህዝቢ ናብ ጎንጺ ከይኣትው ዝሕግዝ እንትኸውን እቲ ህዝቢ እውን ኣብ ጎኑ ንምስላፍ ዕድል ዝፈጥር እዩ። ነዚ ኣብ ከሚሴን ባቲን ዝተራኣዩ ምንቅስቃሳት ከም ኣብነት ምልዓል ይከኣል።

እቲ ጥምረት ሐዚ ኣንጻር ኣብይ ኣብ ዝግበር ወታደራዊ ፖለቲካዊ ቃልሲን ጥራሕ ዝሕጸር ዘይኮነስ ስዒቡ ኣብ ዝመጽእ ስግግር መንግስቲ ይኹን ዘተ/ድርድር እውን ናይ ባዕሉ ቀላሳይ ሚና ዝጻወት እዩ። ኣብ ዝግበሩ ድርድራት ኮኑ ካልኦት ሃገራዊ ምንቅስቃሳት እቲ ጥሙር ግንባር ናይ ትሸዓንተ ውድባት እኹብ ስለዝኮነ ናይ ምውጋይ ዓቅሚ ( bargaining power) ዘዕብይ እዩ።

እንተኾነ እቲ ጥሙር ግንባር ኣብ ላዕሊ ንምቅማጥ ከምዝተፈተነ ፖለቲካዊ ስምምዕነት ዝተፈላለዩ ውድባት ጥራሕ ዘይኮነስ ወታደራዊ ስምምዕነት እውን እዩ። ኩሎም ትሸዓቲኦም ውድባት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዕጥቃዊ ቃልሲ ንቃለስ ኣለና ዝብሉን ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝድግፉን ውድባት እንትኸውን ኩሎም ድማ ይዕበይ ይንኣስ ብዝየገድስ ዘንቀስቀሳቅስዎን ዝመርሕዎን ሰራዊት ዘለዎም እዮም።

ኣብዚ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ፍሉይ ባህርያትን ቅርጺን ዘለዎ እዩ። ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ከም እቶም  ኣብቲ ጥሙር ግንባር ዘለው ውድባት ብሓደ ፖለቲካዊ ወይ ድማ ወታደራዊ ውዳበ ዝካየድ ኣይኮነን። ህዝቢ ትግራይ ቅድሚ እቲ ኲናት ኣብ 2013 ዓመተ ምህረት ትግራይ ኣብ ዘካየዶ መረጻ ሕጋዊ መንግስቲ ዝመስረትን እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊኡ ዝተኣወጀ ኲናት እውን ብዕሊ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ትግራይ ብዝተጣየሸ ሴንተራል ኮማንድ ዝምራሕ እንትኸውን ሰራዊት ትግራይ እውን ብግልጺ ተጸዋዕነቱን ኣወዳድቡኡን ኣብ ትሕቲን ናብን መንግስቲ ትግራይ ኮይኑ ክምራሕ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናት ብመሰረቱ እውን ምስ መሰል ዓርሰ ውሳኑኡ ብቀጥታ ዝተተሓሓዝን መንግስትነት ትግራይ ካብ ምግባጥ ንምድሓንን ናብ ቦቱኡ ንምምላስ ከም ሓደ ንኡስ ፖለቲካዊ ዕላማ ተሓንጊጡ ዝካየድን ዝተካየደን ቃልሲ እዩ። እዚ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ተረኽን ዓላማን ህዝቢ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ እዩ።

ነዚ እውን እዩ ዓብይ ንእሽተይ እንከይበለ፣ ጾታን ሃይማኖትን ከይፈለየ፣ ፖለቲካዊ ኣፈላላይን ውዳበን ከይዓገቶ ብዘይ ዘኮነ ይኹን ኣፈላላይ ኣብቲ ቃልሲ ዓሲሉ ኣካሉን ሂወቱን እናገበረ በይዛ ትግራይ ዝኸውን ዘሎ።

እንተኾነ ኣብቲ ዝተፈጠረ ጥሙር ግንባር ትሸዓተ ውድባት፡ ውድብ ህወሓት ካብ ፖለተካዊ ስምምዕነት ብዝሓለፈ ወታደራዊ ስምምዕነት እውን ፈጺሙ እዩ። ኣብዚ ዝለዓል ሕቶ ውድብ ህወሓት ዝፈጸሞ ወታደራዊ ስምምዕነት ኣየናይ ሰራዊት ወኪሉን ሒዙን እዩ ዝብል እዩ። 

ኣብ ትግራይ ውድብ ህወሓት ከም ሓደ ፖለቲካዊ ውዳበ ዝመርሖ ዝወዶቦን ሰራዊት የብሉን። መንግስቲ ትግራይ ኣብ ትሕቲኡ ወዲቡን መሪሑን ዘንቀሳቅሶ ሰራዊት ኣብ ዘለሉን ከሙኡ እውን ኩሎም ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ኣብ ዝሳተፋሉ ህዝባዊ ቃልሲ ኮይኑ እናሃለወ ህወሓት ንሰራዊት ትግራይ ወኪሉ ዝገብሮ ስምምዕነት ሕጋዊ ትካላዊን ኣፈጻጽሙኡ ኣብ ሕቶ ዘእትው እዩ።

መንግስቲ ትግራይ ናብ መቐለ ድሕሪ ምምላሱን ሰራዊት ትግራይ ኣብዘሓ ከባቢታት ትግራይ ድሕሪ ሓራ ምውጹኡ: ሰራዊት ትግራይ ዝምረሓሉ፣ ኣወዳድባን ተጸዋዕነን ብዝምልከት ብቤት ምክሪ ትግራይ ግልጺ ዝኮነ ሕጊ ወጺሉ ኣብ ትሕቲን ብመንግስቲ ትግራይ ዝምራሕ ምኳኑ ዝፍለጥ እዩ።

ካብዚ ብተውሳኪ ሰራዊት ትግራይ ኩሎም ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ዝሳተፍሉን ናይ ኣካልን ሂወትን መስዋእቲ ኣብ ምክፋል ዝርኸብሉ ሰራዊት እንትኸውን ፖለቲካዊ ቅዋምን ድሌትን ብዘየገድስ ኩሉ ትግራዋይ ኣባል ዝገበረ እዩ።

ንመሓሪ የውሃንስ ሓዊሱ ኣባልን ኣመራርሓን ውድብ ናጽነት ትግራይ ዝሳተፍሉ፡ ልዕሊ ሲሶ ኣመራርሓ ሳልሳይ ወያነ ዝቃለስሉ፡ ኣመራርሓ ባይቶና ናይ ኣካል መጉዳእቲ እናከፈሉሉ ዝርኸብ ሰራዊት እዩ ሰራዊት ትግራይ። ብዓሰርተታ ኣሸሓት ዝቁጸር ኣባል ዝኮነ ይኹን ፖለቲካዊ ውዳበ ዘይኾነን ዝኾነን ኩሉ ተኣኪቡ ንሓባራዊ ብሄራዊ ረብሓ ትግራይ ካብ ተራ ተዋጋኣይነት ክሳብ ኣባል ሴንተራል ኮማንድ ብምኳን ኣብ ምኩሻሕ ዝርከብ ሰራዊት ትግራይ ብሓደ ውድብ ዝምራሕን ዝውነን ኣይኾነን።

እዚ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ቀረባ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ግልጺ ዝገበርዎ ጉዳይ እዩ። ሰራዊት ትግራይ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ዝተጣየሽን ዝንቀሳቀስን ምኳኑ ብዕሊ ዘብርሁ እንትኸውን ናይ ዝኮነ ይኹን ፖለቲካዊ ውዳበ ዓላማ ተሓንጊጡ ዝቃለስ ከምዘይኮነ ኣፍሊጦም እዮም። እቲ ቃልሲ ካብ ዝጅመር ክሳብ ሐዚ መንግስቲ ትግራይ እናመርሖን ኩሎም ወታደራዊ ወፍሪታት እውን እናወሰነ ከምዝመጸ ተዛሪቦም እዮም።

ካብዚ ብተወሳኪ ኣብ ትግራይ ዝርኸባ ፖለቲካዊ ውዳበታት ዘለወን ፖለቲካዊን ካሊእ ሕቶታትን ብዝየግድስ ምስ ሰራዊት ትግራይ ዝፍጸም ዝኾነ ይኹን ስምምዕነት ምስ ሓደ ፖለቲካዊ ውዳበ ክተተሓሓዝ ከምዘይብሉ ብዕሊ ኣፍሊጠን እየን።

እንተኾነ ውድብ ህወሓት ሰራዊት ትግራይ ወኪሉን ብዓል ዋናን ኮይኑ ኣብ ክንዲ እቲ ሰራዊትን መንግስቲ ትግራይን ናብ ወታደራዊ ጥምረት ክኣትወሉ ዝክእለሉ ሓጋዊን ፖለቲካዊን ኣገባብ ኣብ ዘይብሉ ከምዚ ዓይነት ስምምዕነት ምግባሩ ታሪካዊ ስሕተት ዘብል እዩ።

ሰራዊት ትግራይ ናይ ዝኮነ ይኹን ፖለቲካዊ ውድባ ወታደራዊ ክንፊ ጌርካ ምቅማጥ ዘይሻራዊነቱን ትካልዊ ነጻነቱ ዘጥፍእ ካብ ምኳኑ ብተወሳኪ ኣብ ቀጻላይ ዲሞክራታይዜሽን ትግራይ ኣሉታዊ ሚና ዝጻወት እዩ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገለጸ እቲ ሐዚ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ምስቲ ኣብ 1967 ዝተጀመረ ቃልሲ ካልኣይ ወያነ ትግራይ ሓደ ኣይኾነን። መንግስትነት ትግራይ ኣብ ዝተረጋገጸሉ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ትግራይ ዝተጣየሸን ዝምራሕን ስራዊት ኣብ ዘለሉ እዋን ዝግበር ቃልሲ እዩ። ነዚ ድማ ሰራዊት ትግራይ ዘይሻራዊነቱ፡ ትካላዊነቱ፡ ዲሞክራሲያውነቱን ነጻነት ሓልዩ ክጓዓዝ ካብ በሐዚኡ ክስረሓሉን ክእንፈተሉ ንዝግባእ እዩ።

ዝርዝር እቲ ስምምዕነት ብዝምልከት ዕላዊ ዝተገበረ ነገር ዘየለ ዋላ እንትኸውን  ምስ ትካልውነትን ነጻነትን ሰራዊት ትራግራይን ከምኡ እውን መንግስቲ ትግራይ ብዝምልከት ካሊእ ክላዓል ዝግበኦ ሓሳብ ኣሎ። በእቲ ፖለቲካዊ ውድባት ጥሙር ግንባር ዝተፈጠረ ሓባራዊ ኮማንድ( joint command) ዝህልዎ ስልጣንን ሓላፍነትን ግልጺ ዘይኾኑ ሓሳባት ኣለው። እቲ ጥምረት ብውድባት ዝተፈጠረ ጥምረት ከም ምኳኑ ብሓባር ኣብቲ ሓባራዊ ኮማንድ ዝውሰኑን ዝእንፈቱን ነገራት ናብ ትግራይን ሰራዊት ትግራይን እንትመጹ ከመይ ከምዝፍጸሙን ዝውሰዱን ግልጺ ዝኮነ ነገር የለን። ኣብ ትግራይ ሕጋዊ መንግስቲ ኣሎን ብመንግስቲ ዝምራሕ ሰራዊት እውን ኣሎ እንተተባሂሉ ብሓባራዊ ጥምረት ውድባት ዝውሰን ውሳነ ኣብ ልዕሊ ሰራዊትን መንግስቲን ትግራይን ተፈጻምነት ክህልዎ ዝግባእን ኣይኾነን። ኣብ መንግስታዊ ነጻነትን መንስግቲ ትግራይ ሓደጋ ዝፈጥርን መሰል ዓርሰ ውሳነን ምሕደራን ትግራይ እውን ዝሽርሽር እጃም ከይፈጥር ምምርማር የድሊ።

ካብዚ ብተወሳኪ ውድብ ህወሓት ይሕመቅ ይጸብቅ ኣብ ሓለፉ ቁሩብ ዓሰርተታ ዓማውቲ ምስ ናይ ደገን ውሽጥን ሓይልታትን ሃገራትን ጽቡቅን ሕማቅን ርክብ ዝነበሮ እንትኸውን ሰራዊት ትግራይ ናይ ህወሓት ሰራዊት ጌርካ ምቅራብ ሒዝዎ ዝመጽእ ዲፕሎማሲያዊን ፖለቲካዊን ጸገማት ከምዘለው ንምርዳእ ኣይኸብድን። ህወሓት ከም ውድብ ዝከትሎ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ኣይዶሎጂ ዘይፈትዩ ሃገራት ኮኑ ትካላት ዕንቅፋት ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ኮይኖም  ንክድንቀሩ ክፍተት ዝፈጥር እዩ። ናይዚ መርኣያታት ድማ ውጥም ቅልቅል ክብሉ ይረኣዩ ኣለው።

ካብዚ ወጻኢ ኣባልነት ፖለቲካዊ ውዳበን ፖለቲካዊ ቅዋምን ብዘየግድስ ካብ ኣመራርሓ ተናሓናሕቲ ውድባት ጀሚሩ ክሳብ ተራ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋን ኣባልነት ኣብ ግምት ከየኣተወ ኣብቲ ቃልሲ ዝካሻሕ ንዘሎ መንእሰይ ትግራይ እውን እቲ ሰራዊት ኣብ ብሓደ ውድብ ክውክልን ክምራሓን ጌርካ ምቅማጥ ሞራል ቃልሲ ካብ ምንካእ ብተወሳኪ ፖለቲካዊ ንትራኻት ክኣትውዎ ምዕዳም እዩ ዝኸውን። 

ኣብዚ ክተሓዝ ዝግብኦ ውድብ ህወሓት ዝኮነ ይኹን ፖለቲካዊ ጥምረት ይኹን ግንባር ምስ ዝደለዮ ኣካል ይኹን ፖለቲካዊ ውዳበ ናይ ምፍጣር መሉእ ነጻነትን መሰልን ከምዘለዎ እዩ። ህወሓት ከም ውድብ ዝኮኑ ይኹኑ ፖለቲካዊ ስምምዕነት ናይ ምፍጻም ሙሉእ ሕገ መንግስታዊ መሰል ኣለዎ። ኣብዚ ከም ሓደ ዜጋ ዘለካ ርኢቶ ካብ ምቅማጥ ብዝሓለፈ ብዋናነት ነቲ ውድብን ኣባላቱን ዝምልከት እዩ። 

እቲ ምስተን 8 ውድባት ዝገበረ ስምምዕነት ግን ልዕሊ እዚ ፖለቲካዊ ነጻነትን ሕገመንግስታዊ መሰል ዝከይድ ወታደራዊ ስምምዕነት እውን ዘጠቃልል እዩ። 

ኣብ ክንዲ ሰራዊት ትግራይ ኣብዝኩነ ይኩን ንዑ ዝምልከት ወታደራዊ ስምምዕነት ይኹን ካሊእ ውኪሉ ናይ ምፍጻም፣ ምምራሕ፣ ምውሳን ምርኻብን ናይ መንስግቲ ትግራይን ወይ ከዓ ንሱ ዝወከሎ ኣካል መሰልን ሓልፍነት ጥራሕ እዩ።  

ሰራዊት ትግራይን ወታደራዊ ነገራትን ብዝምልከት መንግስቲ ትግራይ ምስ ካልኦት ፖለቲካዊ ውድባት ከመይ ስምምዕነት ክፍጽም ይኽእል ዝብል ናይ ሕጊ ሕቶ ከምዘለዎ ኮይኑ መስተንክራዊ ስርሒትን ጅግነትን እናፈጸመ ዝርከብ ሰራዊት ትግራይ ግን ምስ ዝኮነ ይኹን ውድብን ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ክተሓሓዝ የብሉን። ዝንቡዕ ኣከያይዳ ምትሕውዋስ መንግስቲን ውድብን እውን ኣብ ነዊሕ ርሕቀት ውሽጣዊ ሓደጋ ዘማዕብልን ንግዕዙይ ዝኾነ ኣሰራርሓ ዝቃልዕን ብምኳኑ ብገኑኡ ምእራም የድርሊ። ኣብ መእተዊ ንምቅማጥ ዝተፈነ ወታደራዊን ፖለቲካዊን ጥቅምታት ከምዘለዎ ኮይኑ ኣብ ኣከያይዳን ኣፈጻጽማን ዝራኣዩ ዘለው ክፍተታ ግን ምእራም የድሊ። መንግስቲ ትግራይ ነዚ ንምፍጻም ዘክእሎ መንግስታዊ ኣወዳድባን ቅርጺን ብምድላው ብሴንተራ ኮማንድ ትግራይን ካልኦት ውክልና ንክህቦም ብዝክእል ኣካላት ጌሩ ከምዚ ዓይነት ስምምዕነት ምፍጻም ዝክእለሉ ሕጋዊን ትካላዊን መገዲታት ክፈጥር ይግባእ።