መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝኣወጆ ከሉ መዳያዊ ዕፅዋን ክባን ብርክት ዝበለ ህዝቢ ኣብ ሑሱም ጥምየት ከምዝርከብ ተገሊፁ።

ህዝቢ ትግራይ መሰል ዓርሰ ዉሳነይ ዘረጋግፅ ባዕለይ እየ ብምባሉ መንግስቲ ኣብዪ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ ዝበሎ ምስ ባዕዳዉያን ወረርቲ ተሻሪኹ ኩናት ኣዊጁ እንተብቅዕ በትሪ ሰራዊት ትግራይ ምስ በርትዖ ድማ መንገዲ ዓፅዩ ምግቢ ከይኣቱ ከልኪሉ ህዝቢ ብጥምየት ንኽረግፍ ካብ ዝገብር ሓደ ዓመት ኣቑፂሩ ይርከብ።

ወ/ሮ ተክኤን ተካ ዝበሃላ ኣብ ወረዳ ገርዓልታ ነባሪት ፅጌሬዳ እንትኾና ; ሓንቲ ካብቶም ብሰንኪ መንግስቲ ኢትዮጲያ ጠምየን ንኽሞታ ዝተፈረደለን ትግራወይቲ እንትኾና ኣብ ገዘአን ትለሓስ ትኹን ትቕመስ እኽሊ ስኢነን ምስ ሙሉእ ስድረአን ኣብ ሑሱም ጥምየት ከምዝርከባ ንቴሌቭዥን ትግራይ ተዛሪበን።

ካሊእ ወ/ሮ ኪዳን ገ/ሚካኤል ትበሃል ነባሪት እቲ ኸባቢ እንትትኸዉን ንሳ እዉን ብተመሳሳሊ ዕላማን ድሌትን ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ኮይና ኣብ ጥምየት ከም እትርከብ ትገልፅ።

እዞም ህዝቢ ትግራይ ከየጥፋእና ዕድመ ስልጣና ክሓፅር እዩ ኢሎም ዝተበገሱ ናይ ዉሽጥን ግዳምን ፀላእቲ ብዝበፀሖም ወታደራዉን ዲፕሎማሲያዉን ስዕረት ንምሽፋን ኣብ ልዕሊ ሰለማዉያን ሰባት ጉሮሮ እናተፃወቱ ታሪኽ ይቕረ ዘይብሎ ግፍዒ እናፈፀሙ ከምዝርከቡ ይፍለጥ።

እዚ እከይ ተግባራት ፀላእቲ ዓለም ዝመስከሮን ፀሓይ ዝወቖዖን ሓቂ እንትኾን ሰራዊት ትግራይ ብዘካይዶ ዘሎ ገስጋስ ነዚ ክባን ዕፅዋን ፈንፂሑ ኣብ ቀረባ እዋን በጃ እቲ ዉፁዕ ህዝቡ ከምዝኸዉን እዉን እናተገለፀ እዩ።

ህዝቢ ትግራይ ኣጥምየን ቀቲለን ከምበርክኾ እየ ዝብል ሕልሚ መንግስቲ ኣብዪ ዝፈሽለሉን ህዝቢ ትግራይ ካብ ጥምየትን ሞትን ዝናገፈሉ ኢሉ እዉን መሰል ዓርሰ ዉሳነኡ ዘረጋግፀሉን እዋን ቀረባ ምዃኑ እዉን ብተመሳሳሊ እናተገለፀ ይርከብ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ኣብ ዓዲ ኾይኑ ዝጠምን ዝፅገምን ዘሎ ሕብረተሰብ ክሳብ ሙሉእ ብሙሉእ ዝርህዉ ኩሉ ተሓባቢሩ ካብ ዘላቶ እናማቐለ ነዛ ፈታኒት እዋን ክሰግራ ከምዝግባእ መልእኽቲ ተጋሩ እዩ።