መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዝፈፀሞ ዕፅዋን ክባን ንማሕበረ-ቁጠባዊ ቅልውላው ምቅልዖም ነበርቲ ከተማ መቐለ ሓቢሮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊቱ ብሰራዊት ትግራይ ተወቒዑ ‘ደጀን ናብ ዝኾነ ቦታ ወፂአ’ ምባሉ ስዒቡ ትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ዕፅዋን ክባን ካብ ትወድቕ 130 መዓልታት ተቖፂሮም ኣለው።

ኣብ ትግራይ ግልጋሎት ዝህባ ዝነበራ ባንክታት ሙሉእ ብሙሉእ ብምዕፃወን ንኣገዳሲ እዋን ኢሎም ዝዓቖርዎ ገንዘብ ክጥቀሙሉ ብዘይምኽኣሎም ንጥሜትን ካልኦት ማሕበረ-ቁጠባዊ ፀገማትን ምቅልዖም ነበርቲ ከተማ መቐለ ሓቢሮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝኸፈቶ ወራር ብኣፈሙዝ ክዕወተሉ ስለዘይከኣለ ብዓለምለኸ ሕጊ ኲናት ዝተኸልከሉ ጥሜትን ክልከላ መድሓኒትን ከም መሳርሒ ኲናት ምጥቃሙ ኣሐይሉ ቀፂልሉ’ሎ።

ኣብ ከተማ መቐለ ቡን ሸይጣ እትመሓደር ዝነበረት ንእስቲ ልዋም ተወልደ ኣብ ባንኪ ዝነበራ ገንዘብ ኣውፂኣ ክትጥቀም ብዘይምኽኣላ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ሓደጋ ህላወ ምውዳቓ ገሊፃ።

ሰብ ገንዘብ ስለዘይብሉ ቡን ክትሸይጥ ከምዘይከኣለት ዝገለፀት ልዋም “እተን ኣብ ባንኪ ዝነበራኒ ገንዘብ ገይረ ከይጥቀም እውን መንገዛ ገንዘበይ ባንኪ ስለዝተዓፀወ ሓንቲ ባኒ በሊዐ እየ ዝሓድር ዘለኹ” ክትብል ተዛሪባ።

እዚ ከቢድ ኩነታት ብዘለዎ እንተቐፂሉ ኣዝዩ ከምዘሻቕላ ዝሓበረት ልዋም ተወልደ “ኩሉ ነገር ተዓፃፅዩ ገንዘብ ኣብ ባንኪ ይሃልዎ ኣይሃልዎ ኩሉ ሰብ ማዕረ ይጠሚ” ምህላው ኣብሪሃ።

ብኩላሊት ሓሚሙ ቤተሰቡ ንሕፅበት ኩላሊት ኣዋፂኡ ኣብ ባንኪ ዘቐመጠሉ ገንዘብ ክረክብ ብዘይምኽኣሉ ሕማሙ ይብእስ ምህላው መምህር ኣረጋዊ ወልደማርያም ሓቢሩ።

መምህር ኣረጋዊ “ንሕማቕ ግዜ ክኾነና ኢልና ኣብ ባንኪ ዘእተናዮ ገንዘብ ክነውፅእ ኣይከኣልናን መድሓኒት እውን የለን” ክብል ገሊፁ።

መምህር ኣረጋዊ ወልደማርያም “ቤተሰበይ ንሕፅበት ኩላሊት ዘዋፀአለይ 500 ሽሕ ብር እናቖጠብኩ ይሕከም ነይረ። ባንኪ ብምዕፃው እዘን ገንዘብ እዚአን ክበልዐለን ክሰትየለን ክሕከመለን ኣይከኣልኩን” ክብል ኣብ ከቢድ ማሕበረ-ቁጠባዊ ቅልውላው ምጥሓሉ ተዛሪቡ።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተነበረ ክባን ዕፅዋን ብምጥቃስ “ተጋሩ ተሳቕዮም ይሙቱ ዝብል ፍርዲ እዩ መንግስቲ ኢትዮጵያ በይኑልና” ብምባል ቁጠዐኡ ገሊፁ።

ኣብ ታሕተዋይ ኢኮነሚ ዘለዎ ክፋል ሕብረተሰብ ዝሰርሓ ዝነበራ ትካላት ሕብረት ስራሕ ማሕበራት እውን ዝውውር ገንዘበን ኣብ ባንኪ ዝተደረኸ ብምንባሩን ቁጠባዊ ዓቕሚ ኣባላተን ብምቅዋሱን ከምዝተሃሰያ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ዕቋርን ልቓሕን ፋና ኣይተ ጎይተኦም ተስፋይ ገሊፁ።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኢኮነሚያዊ ዕፅዋን ክልከላ ናውቲ ሸቐጥን ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣትሒዙ ከምዝተጀመረ ዝገለፀ ኣይተ ጎይተኦም ዝውውር ገንዘብ ትግራይ ክዳኸም ንነዊሕ እዋን ከምዝተሰረሐሉ እውን ጠቒሱ። “መንግስቲ ኢትዮጵያ በጀት ትግራይ ብምኽልካል፣ ንወርቅን ዝኸበሩ መዓድናትን ሓዊሱ ምህርትታት ትግራይ ናብ ዕዳጋ ከይቐርቡ ቁጠባዊ ዕቀባ ብምክያድን መንገድታት ብምዕፃውን ቁጠባ ትግራይ ንምድኻም ይሰርሕ” ምፅንሑ ኣይተ ጎይተኦም ተስፋይ ተዛሪቡ።

ከምኡ እውን ብጥረ-ገንዘብ ምንቅስቓስ ልሙድ ኣብ ዝኾነላ ዓዲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ጥረ-ገንዘብ ካብ ትግራይ ክወፅእ ስለዝተገበረ ሕብረተሰብ ንከቢድ ማሕበረ-ቁጠባዊ ቅልውላው ምቅልዑ ዝገለፀ ኣይተ ጎይተኦም ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዝተነበረ ኩለመዳይ ዕፅዋ ባንክታት እውን ኮነ ተባሂሉ ከይሰርሓ ስለዝተገበራ እቲ ቅልውላው ክጋደድ ጌርዎ እዩ ኢሉ።

ኣብ እንዳ ፀጉሪ ዝሰርሕ ኣይተ ሃፍቶም ኣብርሃ ብወገኑ ኣብ ዕዳጋ ዝነበረ ጥረ-ገንዘብ ተመናሚኑ ስለዝተወደአ ሕብረተሰብ ንሓደጋ ጥሜት ተቓሊዑ ምህላው ሓቢሩ።

እቲ ዕፅዋ ንዓመታት ዝዘለቐ ብምዃኑ ህዝቢ ነንባዕሉ ንምትሕግጋዝ ዝገብሮ ፃዕሪ እውን እቲ ጥረ-ገንዘብ እናተወደአ ኣብዚ ሐዚ እዋን ፈተና ምንባርን ዘይምንባርን ከምዘጋጠመ ኣይተ ሃፍቶም ተዛሪቡ።

እቶም ወሃብቲ ርኢቶ ብስርዓት ኣብዪ ኣሕመድ፣ ገበትቲ ሓይልታት ኣምሓራን መንግስቲ ኤርትራን መንነት ተጋሩ ንምህሳስን ትግራይ ንምምብርካኽን ዝግበር ዘሎ ዕፅዋታት ብዝተወደበ ቃልሲ ጥራሕ ዝፍታሕ ብምዃኑ ህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ብሕታዊ ኣማራፂ ቃልሱ ኣሐይሉ ክባታት ምፍንጻሕ ከምዝኾነ ጠቒሶም።

ኣብ ትግራይ 6.3 ሚልዮን ህዝቢ ህፁፅ ሓገዝ ምግቢ ዘድልዮ ይኹን እምበር ብሰንኪ ዕፅዋ ካብቲ ዘድሊ ሓገዝ 10 ሚእታዊ ጥራሕ ከምዝተረኸበ ፀብፃብ ትካል ሰብኣዊ ሓገዝ ውድብ ሕቡራት መንግስታት የመላኽት።

እቲ ፀብፃብ ብፍላይ ካብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ሓገዝ ፈፂሙ ብዘይምእታው ሰብኣዊ ቅልውላው ትግራይ ካብ ዝሓመቐ ናብ ዝኸፈአ ምብፅሑ ኣፍሊጡ።