ብትእዛዝ መንግስቲ ኢትዮጲያ ዝግበር ዘሎ መንነታዊ መጥቃዕቲ ፋሽሽታዉያን ኣብ ኣጋ ስዕረቶም ዝገብርዎ ተግባር ምዃኑ ተገሊፁ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተጋሩ መሰረት ዝገበረ ዕድመ፣ ፆታን ሃይማኖትን ከይፈለየ ብትእዛዝ መንግስቲ ኢትዮጲያ ዝግበር ዘሎ ግፋን ማእሰርትን ምስ ኣብ እዋን ስዕረት ስርዓት ደርጊ ከምዝመሳሰል ተሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ነቲ ኣብ ክልተ ሰሙን ክዛዝሞ እየ ኢሉ ዝጀመሮ ኩናት ካብ ትግራይ ብሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ተሳዒሩ ድሕሪ ምውፅኡ ዓንፆ ዓንፆ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጲያን ዝርከቡ ተጋሩ ንኣደዳ ማእሰርትን ስቅያትን ከምዘሳጠሖም ተሓቢሩ።

እዚ ድማ ጨፍላቒ ስርዓት ኩሉ ጊዜ ኣብ ኣጋ ስዕረቱ ዝጥቀሞ ስልቲ ከምዝኾነ ዘዘራረብናዮም ግዳያት ይገልፁ።

ስርዓት ደርጊ ትግራዋይ ዝበሃል ፍጡር እንከሎ መንበሪ የብለይን ብዝብል መበገሲ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝፈፀሞ ግፍዒ ቁፅሪ ስፍሪ ከምዘይብሉ ኣብቲ እዋን ካብ ዝነበሩ መሳኻኽር ዓይኒ ሓደ ዝኾነ ኣይተ ዘርኡ ዘዉዱ ንኣኽሱማይት ተዛሪቡ።

ደርጊ ኣብ ዓዉደ ኩናት ምስ ተስዓረን ኣብ ኣጋ ዉድቀቱን ናይ ተስፋ ምቑራፅ ምልክት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ዝነበሩ ተጋሩ ይኣስር፣ ይጨውን የጋፍዕን ከምዝነበረ ኣይተ ዘርኡ ኣብሪሁ።

ብውልቁ ኣብ ዓሰብ ተኢሲሩ ከምዝነበረን ኣብቲ ንሱ ዝነበሮ ቤት ማእሰርቲ 800 ተጋሩ ከምዝነበሩን ካብኣቶም ድማ ብፉሉይ ዝርሸኑ ተባሂሎም ስም ዝርዝር ዝልጠፉ ከምዝነበሩን በቲ ሽዑ እዋን ዝተጨወዩ ክሳብ ሐዚ ሃለዋቶም ዘየለዉ ሰባት ከምዘለዉ እዉን ኣረዲኡ።

ሓደ ናይ ቀረባ መሓዛኡ ኣብ ኣዲስኣበባ ተኢሲሩ ምንባሩን ኣብቲ ዝተኣሰረሉ ቦታ ሰባት ብርእሶም ተተኺሎም ካብ ዝተቐጥቀጡ ሓደ ምንባሩን በቲ እዋን ዝእሰሩ ዝነበሩ ተጋሩ ናብ ሁርሶ፣ ጦላይ፣ ደዲሳን ካልኦትን ከባቢታት ይወስድዎም ምንባሮም ኣይተ ዘርኡ ይዛረብ።

ፋሽሽታዉያን ኣብ ኣጋ ስዕረቶም እዚ ተግባር ዋና መለለይኦም ዋላ እኳ ይኹን እምበር እዚ ናይ ሐዚ ስርዓት ኣብዪ ዝገብሮ ዘሎ ከምዝገድድ ብምግላፅ ስርዓት ደርጊ ይጠቕሙ እዮም ኣብ ዝበሎም ከምኒ መምህራን፣ ሰበስልጣናት፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ሙሁራትን ኣካላት እንተኾን ትኹረት ዝገብር ዝነበረ መንግስቲ ኣብዩን ሰራዊቱን ግን ህፃን ይኹን ዓብዪ ብዘየገድስ ትግራዋይ ጥራይ ብምዃኑ ስለዝጭፍጭፍ ፍሉይ ይገብሮ ኢሉ።

እቲ ሐዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝግበር ዘሎ ግፋ እዉን ግዳይ ካብ ዝኾነት ንድሕንነታ ክበሃል ስማ ዝተቐየረ ወ/ሮ ትርሓስ ሓጎስ፡ በዓል ገዝኣ ሓዊሱ ካብ ገዝኣ ሰለስተ ሰባት ከምዝተኣሰርዋ ገሊፃ።

በዓል ገዝኣን ካልኦት ተጋሩን እንትእሰሩ ፈለማ በናይታ ከተማ መዘጋጃቤት ሕድሕድ ኣካራዪ መንነት ተኻራዪ ኣፃርዩ ከቐርብ ትእዛዝ ከምዝወረደን ፀኒሖም ድማ ገዛና ሕደጉልና ናብ ዝብል መደምደምታ ከምዝበፅሑን ትዛረብ።

ወ/ሮ ትርሓስ በዓል ገዛኣ ካብ ዝእሰር ሰለስተ ሰሙን ከምዘቑፀረን ፈለማ ናብ ጣብያ ደሓር ናብ ካዛንችስ መወዳእታ ናብ ቃሊቲ ከምዝወሰድዎን ኣብ ቃሊቲ ምስ በፀሐ ሰብ ከይሓትት፡ መድሓኒት ይኹን ምግቢ ከይኣቱ ከምዝተኸልከለን ሐዚ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ከምዘላ ትገልፅ።

ወ/ሮ ትርሓስ ነብሰ ፁር ስለዝኾነት ንፖሊስ ለሚና ሓደ ጊዜ ብቴሌፎን ንበዓል ገዝኣ ከምዝረኸበቶን 16 ሽሕ ትግራዋይ ኣብቲ ንሱ ዘለሉ ቦታ ዝተኣሰሩ ከምዘለዉን ዝነገራ እንትኾን ቀፂሎም ድማ ክንሰደኩም ኢና፣ እስቲ ሓደ ን ሓሙሽተ ፎቶ ተልዓሉ ይብሉዎም እሞ ደሓር ግን ከምዘባጭዉሎምን ብሞራሎም ከምዝሕጭጩን እዩ ነጊሩኒ ትብል።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ትማሊ ዘይፈልጦ ቁፅሪ ተደዊሉ ሄሎ ምስ በልኩ በዓል ገዛይ ተፈቲሑ ኢለ እናሓሰብኩ ኣብ ጅማ ኢና ዘለና ኢሉኒ ድሕሪ ምባል ልዕሊ 1600 ተጋሩ ብ40 መካይን ተጻዒኖም ካብ ኣዲስ ኣበባ ተላዒለን ናበይ ከምዘብፁሑና ኣይንፈልጥን ኢሉኒ ክትብል ብተስፋ ምቑራፅ ተዛሪባ።

ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሄር መሰረት ዝገበረ ማእሰርትን ግፋን ከምዘካይድ ዘሎን እዚ ድማ ምስ ኣብ እዋን ዉድቀት ደርጊ ዝነበረ ከምዝተኣሳሰር ካብ 1989 ክሳብ 1993 ዓ/ም/ፈ ኣብ ዩናይትድ ስቴት ሓላፊ ወፃኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ዝነበረ ሃርማን ኮሆን ኣብ ቲዊተር ገፁ ሓቢሩ።

ካልኦት ዓለም ለኸ ሚዲያታት ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ኣካላት ተጋሩ ኣብ ኢዲስ ኣበባ ብመንነቶም ጥራይ ንኣደዳ ማእሰርትን ስቓይን ከምዝተሳጥሑ ምቅልሖም ይዝከር።