ምሁራትን ፖለቲከኛታትን ኦሮምያ “ኦሮምያ ድሕሪ ውድቀት ብኣብይ ዝምራሕ ስርዓት ኢትዮጵያ እንታይ ክትመስል ኣለዋ” ኣብ ዝብል ርእሰ ዛዕባ ዘተ የካይዱ ኣለዉ።

ብርክት ዝበሉ ምሁራንን ፖለቲከኛታትን ኦሮሞ ካብ ትማሊ ኣትሒዙ ንዝቕፅሉ ሓሙሽተ መዓልታት ዝፀንሕ ኮንፈረንስ ኣብ ምክያድ ይርከቡ። ዕላማ ኣኼብኦም ድማ ድሕሪ ዉድቀት ብኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዓይኒ ብሄር ኦሮሞ ከመይ ዝበለት ኢትዮጲያ እያ ክትህልው ኣብ ዝብል Road map ሓንፂፆም ኣብ ምዝታይ ይርከቡ።

ኣብቲ መድረኽ ተወለድቲ ብሄር ኦሮሞ ኾይኖም ዝተፈላለየ ርድኢትን ድሌትን ፖለቲካ ዘለዎም ኣካላት ዝተረኸቡ ኮይኖም ካብኣቶም ሓደ ፕሮፌሰር ህዝቅኤል ገቢሳ ኣብ ህልዉን መፃእን ኢትዮጲያ ተሞርኪሱ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ኣቕሪቡ።

ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ብሽም ለዉጢ ናብ ስልጣን ዝመጽአ ሓይሊ ዋላ እኳ እንተነበረ ሐዚ ግን ኢትዮጲያ ቀንዲ ማእኸል ዓዉደ ኲናት ጌርዋ ከምዝርከብ ገሊፁ።

ነዚ ስዒቡ እዉን ኢትዮጲያ ብመዳይ ዲፕሎማስን ቁጠባን ንድሕሪት ተጎቲታ ከምእትርከብ ኣብቲ ዝቕረበ መፅናዕቲ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ኣብ ስርዓት ኣብዪ ካብ ዝተርኣዩ ካብ ኢትዮጲያ ሓሊፉ ንኻልኦት ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ምዕቃብ ሰላምን ዕርቅን ዝሳተፍ ዝነበረ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ሐዚ ፈፃሚ ገበን ጆኖሳይድ ከምዝኾነን ኣብ ኢትዮጲያ ዳግም ኩናት ሩዋንዳ ከምዝተፈፀመ ኣብቲ መድረኽ ተገሊፁ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኢዲስ ኣበባ ዘሎ ዕግርግር ኣካል ናይዚ ሓይሊ ዉድቀት ከምዝኾነ ድሕሪ ምግላፅ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ፣ ኦሮሞ፣ ቅማንት፣ ኣገዉን ካልኦት ብሄራትን ገበን ጆኖሳይድ ከምዝፈፀመ ኣብሪሁ።

ስለዝኾነ ድማ እዚ ኩናት ኣብቂዑ ድሕሪ ስግግር መንግስቲ ከም ኦሮሞ እንታይ ዓይነት ኢትዮጲያ ክትቅረፅ ከምዝደልዩ ኣብቲ ዘተ ዝተልዓለ እንትኾን ኢትዮጲያ ድሕሪ ሐዚ ኣብ ልዕሊ ናይ ባዕላ ዜጋታት ከይትለዓል ከምዝሰርሑ ሓቢሮም።

ብተወሳኺ ልክዕ ከም ዉድብ ብልፅግና ዝኸዶ ዘሎ ንሓደ ሰብ ስልጣን ዕድመ ንምንዋሕ ተባሂሉ ዝኽፈል ዋጋ ፍፁም ከምዘይቕፅል ንምግባር እዉን ኣብቲ ድሕረ ኣብዪ ዘቐመጥዎ Road Map ድሕሪ ምሕባር ኣብ ዝመፅእ ቀዳም ጥንኩር መግለፂ ከምዘዉፅኡ ኣፍሊጦም።

ሰራዊት ትግራይን ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞን ቅድም ኢሎም ብዝፈጠርዎ ሱሙር ግምባር ዛጊድ ሰፋሕቲ ቦታታት ክልላት ኦሮምያ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ከምዝተቖፃፀሩ ዝፍለጥ እዩ።