ኣብ ትግራይ፡ ብሰንኪ ዕፅዋን ዕንወት ትካላት ጥዕናን ሕማም ዓበቕ ብብርኪ ለበዳ ከምዝተኸሰተ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣፍሊጡ ።

ኣብ መዕቖቢታት ተመዛበልትን ነበርትን ሽረ እንዳስላሰን ሸራሮን ልዑል መጠን ሕሙማት ዓበቕ ዝተኸሰተ እንትኾን እቲ ሕማም ኣብ መላእ ትግራይ ከምዝተርኣየ እቲ ቢሮ ሓቢሩ። ትካላት ጥዕና ትግራይ ብልፍንታዊ ወረርቲ ሓይልታት ብምዕናወን ብቐሊሉ ምሕካምን ምቁፅፃርን ዝከኣል ዝነበረ ሕማም ዓበቕ ኣብ ትግራይ ቀልጢፉ ንኽላባዕ ምኽንያት ምዃኑ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ገሊፁ።

መተሓባበሪ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማማት እቲ ቢሮ ኣይተ ኣረጋይ ገብረመድህን “ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ትግራይ ሕማም ዓበቕ ብሰፊሑ ብለበዳ መልክዕ ዝረኣየሉ ብርኪ እዩ በፂሑ ዘሎ” ክብል ተዛሪቡ።

መንቀሊኡ ብዓይኒ ዘይረአ ማይትስ ዝበሃል ቁንጪ ቁማል ዝመስል ጠቢቑ ናብ ቆርበት ፈርፊሩ ኣትዩ ብውሽጢ ውሽጢ ቆርበት ብምርባሕ እቲ ሕሙም ምልክታት ምስሓይን ምሕኻኽን ከምዘርኢ ኣይተ ኣረጋይ ገሊፁ።

ኣብ ውሽጢ ቆርበት ምስተራብሐ ናብ ደጋዊ ኣካላት ሰውነት ብምውፃእ ብምንኽኻእ ቆርበት ንቆርበት ካብ ሰብ ናብ ሰብ ከምዝመሓላለፍን ፃዕቒ ሰብ ኣብዘለዎም ቦታታት ብፍላይ ኣብ መዕቖቢታት ተመዛበልቲ ሽረን ሸራሮን ብለበዳነት ከምዝተርኣየን ሓቢሩ።

ካብኡ ሓሊፉ እውን መጠን ለበዳነት እቲ ሕማም ኣብ ነባራይ ሕብረተሰብ ሽረ፣ ሸራሮን ከባቢኡን ብሰፊሑ ከምዝተርኣየ ብምጥቃስ “መጠኑ ይፈላለ እምበር ኣብ መላእ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ሕማም” ምዃኑ ኣብሪሁ።

ሕማም ዓበቕ ብመድሓኒትን ስነ-ፅሬትን ምቁፅፃር ከምዝከኣል ዝሓበረ ኣይተ ኣረጋይ “ስርዓት ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዝገበሮ ዕፅዋ መድሓኒትን ናውቲ ፅሬትን ክርከብ ስለዘይተኽኣለ” ነቲ ለበዳ ንምዕጋት ዝግበር ፃዕሪ ከቢድ ከምዝገበሮ ኣይተ ኣረጋይ ተዛሪቡ።

ኣብ ስነ-ፅሬትን ክንክን ጥዕናን ተመዛበልቲ ዝነጥፋ ዝነበራ መዳርግቲ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ እውን በቲ ዕፅዋ ዘለወን ሃፍቲ ከንቀሳቕሳ ስለዘይከኣላ ከቢድ ቅልውላው ጥዕና ከምዝተፈጠረ ገሊፁ።

ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝሰፍሕ ዘሎ ጥሜት ተዛሚዱ ዓቕሚ ምፅዋር ሕማማት ሰውነት ወዲሰብ ይንኪ ብምህላው “ሕማም ዓበቕ ብእዋኑ እንተዘይተሓኪሙ ንሕማማት ልብን ኩላሊትን ከስዕብ” ከምዝኽእል መተሓባበሪ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማማት እቲ ቢሮ ኣይተ ኣረጋይ ገብረመድህን ተዛሪቡ።

ቢሮ ጥዕና ትግራይ ካሊእ ክሳብ እቲ ዕፅዋ ብቅልፅም ህዝቢ ትግራይ ዝብርዕን ካሊእ ኣማራፂ ስለዘይብሉ ናይ ዝተወሰነ እዋናት መዓልቶም ዝሓለፎም ኣፋውስ ብሰብሞያ ኣብ ላብራቶሪ ብምፍታሽ ምጥቃም ከምዝከኣል ብምግንዛብ “ህዝብና ከይሃልቕ ክጥቀመሉ ዝኽእል ዕድል ኢና ፈጢርና ዘለና” ክብል ኣብሪሁ።

እቲ ሕማም ኣብ ትግራይ ብመልክዕ ለበዳ ብምርኣዩ እቲ ዘሎ ውሱን እውን ዝሓለፎ መድሓኒት ውሑድ ስለዝኾነ ብበዝሒ ተመዛበልቲ ዝነብረለን ከባብታት ብምቕዳም ንምሕካም ፃዕርታት ይግበር ኣሎ።

ሕማም ዓበቕ ብምንኽኻእ ቆርበት ንቆርበት ዝመሓላለፍ ብምዃኑ ሕብረተሰብ ነንባዕሉ ንኽክእ ብምንካይ፣ ክዳን ብዘይምቅይያርን ፅሬቱ ብምሕላውን ምስፍሕፋሕ እቲ ሕማም ንምዕጋት ንዝግበር ፃዕሪ ግብኡ ክፍፅም ኣይተ ኣረጋይ ምዒዱ።

ኣብዚ እዋን ከቢድ ዕፅዋን ክባን “መጠን ለበዳነት ሕማም ዓበቕ ልዕሊ ዓቕሚ” ቢሮ ጥዕና ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣይተ ኣረጋይ ገብረመድህን ማሕበረሰብ ዓለምን ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝን መጠን እቲ ለበዳ ካብ ዝሓመቐ ናብ ዝኸፈአ ብርኪ ከይተሰጋገረ ብኣየር መድሓኒት ብምእታው ቅልውላው ጥዕና ትግራይ ንምፍታሕ ክሰርሓ ፀዊዑ።