መንግስቲ ኬኒያ ንስደተኛታት ዝድግፍ ረቂቕ ሕጊ ኣብ መስርሕ ክውዕል ኣፅዲቑ

እቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝረቐቐ ንስደተኛታት ዝድግፍ ሕጊ ብፕረዚደንት እታ ሃገር ተቐባልነት ከይረኸበ ዝጸንሐ እንትኾን፣ ዝሓለፈ ረቡዕ ግን ፕረዚደንት ኬኒያ እሁሩ ኬንያታ ነቲ ረቂቕ ብምቕባልን ብምፍራምን ኣብ ስራሕ ክውዕል ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።

እዚ ብፕረዚደንት እሁሩ ተቐባልነት ረኺቡ ድሕሪ ክልተ ዓመት ዝጸደቐ ሕጊ፣ ኣብ ኬኒያ ዝርከቡ ስደተኛታት ዕድል ትምህርቲ ዝረኽቡ ኹነታት ዘመቻቹ፣ ናብርኦም ዝድጉሙሉን ምስ ማሕበረሰብ ኬኒያ ዝሕወሱልን ሃዋህው ዝፈጥር ምዃኑ ሚዲያታት እታ ሃገር ፀብፂበን።

ነዚ ስዒቡ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዝሰርሑ ትካላት መንግስቲ ኬኒያ ኣወንታዊ ስጉምቲ ከምዝወሰደ ንኢዶም። ኣብ ኬኒያ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝመፁ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዝኾኑ ስደተኛታት ይርከቡ።