ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪካ ኦሊሸጎን ኣበሳንጆ ሎሚ ንሳልሳይ ግዘ ምስ መራሕቲ መንግስቲ ትግራይ ንምዝታይ ናብ መቐለ ኣምሪሑ።

እቲ ሎሚ ንሳልሳይ ግዘ ብኣውሮፕላን ሕቡራት ሃገራት ንመቐለ ዘምርሐ ነበር ፕሬዚዳንት ናይጀሪያ ኣበሳንጆ ምስ ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ተራኺቡ ኣብ ጉዳይ ዂናት ደው ምባልን ዕርቀ ሰላምን ክዝቲ ምዃኑ ተገሊፁ።

ኦባሳንጆ ምስ ሰበ-ስልጣናት መንግስቲ ትግራይ ዝገበሮ ልዝብ ውፅኢቱ ብዝርዝር ዕሊ ብዝኾነ መንገዲ ከምዝግለፅ እውን ምንጭታትና ሓቢሮም።

መንግስቲ ትግራይ ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪካ ዝግበር ምይይጥ ውፅኢት ክህልዎ እዩ ኢሉ ከምዘይኣምን ቅድሚ ሕዚ ገሊፁ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ብዙሓት ዓለምለኻዊ ትካላትን መንግስታትን ድማ ብኣበሳንጆ መሪሕነት ዝግበር ልዝብ ኲናት ጠጠው ምባልን ቀፃሊ ፖለቲካዊ ዘተን ድጋፍ ክወሃቦ ከምዝግባእ እናገለፁ ይርከቡ።