ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ቅልጡፍ መፍትሒ ከናዲ ፃውዒት ቀሪቡ።

ነዚ ዝበለ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣየርላንድ ሳይሞን ኮንቨይ፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኩሉ ዓይነት ግፍዒ ይፍፀም ከምዘሎ ገሊፁ።

ሚኒስተር ሳይሞን ኮንቨይ ሃገሩ ኣይርላንድ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ዘለዋ ጥንኩር መርገፂ ከምዘለዎን እዚ ካልኦት ሃገራት እውን ክስዕበኦ ፀዊዑ፡፡

ኣብ ትግራይ ብሚልየን ዝቑፀር ህዝቢ ኣብ ዓፀቦ ከምዘሎን ገጢምዎ ካብ ዘሎ ዓፀቦ ክናገፍ ህፁፅ ሓገዝ ከምዘድልዮ ኣብሪሁ፡፡

ብተወሳኺ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ብሄረ ተጋሩ ዝፍፀም ዘሎ ጀምላዊ ማእሰርቲን ግፍዕን ደው ክብል ፀዊዑ ኣሎ፡፡

ከምኡ እውን ሕብረት ኣውሮፓ ኣብዚ ጉዳይ ቅልጡፍ መፍትሒ ከናዲ ከምዘለዎን ብፍላይ ድማ ኣብ ህፁፅ ሓገዝን ረድኤትን ቅልጡፍ ውሳነ የድሊ እዩ ኢሉ፡፡

ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣየርላንድ ሳይሞን ኮንቨይ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ናብ ኣዲስ ኣበባ ክመፁ ከምዝኽእልን ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ፀገም መፍትሒ ንምቕማጥ ከምዝፍትንን ሓቢሩ፡፡