ቀዳማይ ሚኒስትር ዓብደላ ሓምዶክ ናብ መንበረ ስልጣኑ ከምዝተመለሰ ተገሊፁ።

ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ካብ ስልጣኑ ክእለ ድሕሪ ምግባሩ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ኮይኑ ገደብ ምንቅስቃስ ተገይሩሉ ፀኒሑ እዩ።

እንተኾነ ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ግዚያት ምስ መራሒ እቲ ዕልዋ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ሓድሽ ሓበራዊ ስምምዕ ስልጣን ከምዝተፈራረሙ ተሓቢሩ።

ድሕሪ ማእሰርቲ ደገፍቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ሓምዶክ፡ ኣብ ካርቱም ሰራዊት ካብ ፖለቲካ እታ ምሉእ ንምሉእ ንክወፅእ ብምሕታት ናብ ቤተ መንግስቲ እቲ ፕሬዝደንት ኣብ ዝኸድሉ እዋን ሓይልታት ፀጥታ መንብዒ ትኪ ከም ዝተኮሱሎም ቢቢሲ ኣቃሊዑ።

ኣብታ ሃገር ድሕሪ ዕልዋ ዓብደላ ሓምዶክ ዝተኻየደ ሰልፊ ንተቓሞ ካብ ሞንጎ ዝወጽኡ ሰባት ብውሑዱ 40 ከምዝተቐትሉ ተፈሊጡ ኣሎ።

ብምዃኑ እውን ኣብቲ ዝተኻየደ ስምምዕ፡ ዓብደላ ሓምዶክ “ደም ሱዳናውያን ክቡር’ዩ፤ ደም ምፍሳስ ጠጠው ኣቢልና መንእሰይ ናብ ህንፀትን ልምዓትን ንምርሓዮ” ብምባል ህውከት ደው ንምባል ኣብ ስምምዕ ከምዝበፅሑ ኣረዲኡ።

ከምኡ እውን እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር፡ ንሱ ክእሰር ከሎ ዝተኣስሩ ኣባላት ካቢንኡን ከም ዝፍትሑን ናብ ቦትኦም ከም ዝምለሱን ኣረጋጊፁ።

ብሰንኪ ዕልዋ መንግስቲ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ብምኹናን ኩሎም እሱራት ፖለቲካ ክፍትሑ ብምሕታት ከም ኣመሪካን ባንኪ ዓለምን ድማ ሱዳን ክትረኽቦ ዝነበረት ሓገዝ ገንዘብ ደው ከምዘበልዎ ዝፍለጥ እዩ።

ሱዳን፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኲናት ካብ ዝእወጅ ጀሚሩ ኣማኢት ኣሽሓት ብሰንኪ መንነቶም ዝተመዛበሉ ተጋሩ ዕቕባ ሂባ ዝፀንሐት ምዃና ዝፍለጥ ኮይኑ እንተኾነ እቲ ኣብታ ሃገር ዝፀንሐ ህወከት ነቶም ስደተኛታት ዝፀሉ ብምዃኑ ናብ ንብር ሰላም ምምላሱ ብእወንታ ዝረአ ምዃኑ ተዓዘብቲ የረድኡ።