መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብሰበብ ኣዋጅ እቶ እቶ ኣብ ሰለማዊ ህዝቢ ዘውርዶ ዘሎ ራዕዲ ደው ከብሎ ግምባር ናፅነት ኦሮሞ ፀዊዑ።

ስርዓት ኢትዮጵያ ዝደንገጎ ኣዋጅ እቶ እቶ ኮነ ኢሉ ተነሓናሕቲ ውድባት ንምእሳርን ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ገበናት ንምፍፃምን ዝዓለመ ከምዝኾነ ግምባር ናፅነት ኦሮሞ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣረዲኡ።

እዚ ኣዋጅ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ራዕዲ ብምፍጣር፡ ርእሱ ከድንን ድሕሪ ምግባር ብሓይሊ ንምግዛእ ዝዓለመ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ብምኽንያት እዚ ብሽፋን እቲ ኣዋጅ ኣብ ዝደለይዎ ገዛውቲ ይፍትሹ፣ ህፃናት፣ ደቂ ኣንስትዮን ሽማግለታትን ብምግራፍ፣ ናውቲ ገዛ ይዝመት ከምዘሎ ኣቃሊዑ።

ብምዃኑ እዚ ኣዋጅ እቶ እቶ ክልተ ዕላማ ዘለዎ ክኸውን ከሎ እቲ ሓደ ተነሓናሕቲ ውድባት ብምጥፋእ ኣሃዳዊ ስርዓት ምምፃእ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ኣባላት ብልፅግና ዘይኮኑ ሰባት ንብረቶም ብምዝማት ድኻታት ክኾኑ ምስራሕ ከምዝኾነ ግምባር ናፅነት ኦሮሞ ገሊፁ።

ብመሰረት እዚ መንግስቲ ነዚ ሽግር ንምፍታሕ ማሕበረሰብ ዓለም፡ እታ ሃገር ካብ ኣትያቶ ዘላ ዓዘቕቲ ንኽትወፅእ ኣሳታፊን ሓቃውን ሃገራዊ ዘተ ክካየድ ከምዝግባእ ኣረዲኡ።

እቲ ስርዓት ኣብ መላእ ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብሄረ ተጋሩ ብጅምላ እናኣሰረን ንብረቶም ይዝመት ከምዘሎ ዝፍለጥ እዩ።