ኣመሪካ፡ ኣብ ጁቡቲ ፉሉይ ሓይሊ ኦፕሬሽን ኣሜሪካ ከምዘዳለወት ሲኤንኤን ፀብፂቡ።

ኣብ ኢትዮጲያ በቢመዓልቱ እንዳተጎሃሃረ ዝኸይድ ዘሎ ቅልዉላዉ ፖለቲካ ኣሜሪካ ዘለዋ ስግኣት ብፍላይ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጲያ ንዝገጥሞ ቅድመ ጥንቃቐ ንምግባር ሓደ ኦፕሬሽን ሓይላ ናብ ጁቡቲ ከምዘፀገዐት ሲ ኤን ኤን ገሊፁ።

ኣንፃር መንግስቲ ኢትዮጲያ ዝቃለሱ ዘለዉ ሰራዊት ትግራይ ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምፅገዖም ተዛሚዱ ኣመሪካ ቅልዉላዉ እታ ሃገር ከም ዘሻቐላ ድሕሪ ምግላፅ ንቕድመ ጥንቃቐ ተባሂሉ ኣድላዪ ኮይኑ ተተረኺቡ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዝርከቡ ሰለስተ ናይ ኩናት መርከባት ከምዝልቀቓ እቲ ፀብፃብ ኣመላኺቱ።

ይኹን እምበር ሐዚ እዉን እዚ መንግስቲ ኣሜሪካ ከም ቅድመ ጥንቃቐ እምበር ናብ ኢትዮጲያ በዝሒ ሓይሊ ወተሃደራት ናይ ምእታዉ ተበግሶ ከምዘይብላን ከምዘይገበረትን እቲ ፀብፃብ ኣረዲኡ።

ኣሜሪካ ኣብ ቀረባ እዋን ከምቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝተኻየደ ቅልጡፍ ኣድሕን ኦፕሬሽን ኣብ ኢትዮጲያ ከምዘይግበርን ምኽንያቱ ዝተፈለየ ምዃኑን ሓደ ካብ ወፃኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ላዕለዋይ ሰበ ስልጣን ንጋዜጤኛታት ተዛሪቡ።

ይኹን እምበር ኣብ ኢትዮጲያ ዘለዉ ዜጋታት ኣሜሪካ ብቕልጡፍ ናይ ንግዲ በረራታት ብምጥቃም ክወፁ ከምዝግባእ ኣሜሪካ ኣተሓሳሲባ።