ኤምባሲ ኣመሪካ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ተግባር ግብረ ራዕዲ ክፍጸም ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ምድኻም መሓውራት ፀጥታ ኢትዮጵያ ተኸቲሉ ኣብ ኢትዮጵያ ተግባር ግብረ ራዕዲ ክህሉ ከምዝኽእል መንግስቲ ኣሜሪካ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ።

ቀንዲ ዕላማታት ናይቶም መጥቃዕትታት “ትካላት ዲፕሎማሲ፣ መስሕባት በፃሕቲ ዓዲ፣ ትካላት መጓዓዝያ፣ ዕዳጋታት፣ ትካላት ንግዲ ምዕራባውያን፣ ኣብያተ-ብልዒ፣ መዘናግዒታት፣ መንግስታዊ ትካላት ምምሕዳርን ካልኦት ህዝባዊ ቦታታትን” ግዳይ እቲ መጥቃዕቲ ክኾኑ ከምዝኽእሉ እውን ኣተሓሳሲቡ።

ኣመሪካውያን ዜጋታት፡ ንቑሓት ክኾኑ፡ ካብቶም ህዝቢ ዝእከበሎምን ወጻእተኛታት ዘዘውትርዎምን ቦታታት’ውን ክእለዩ ተላብዩ።

ኣሜሪካ ዜጋታታ ካብ ኢትዮጵያ ብህፁፅ ክወፁ ተደጋጋሚ መፀዋዕታ እንዳገበረት ምፅናሓ ዝዝከር ኮይኑ እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣሜሪካ ኮነ ኢላ ሽብር ንምፍጣር ትገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ እዩ ብምባል ከምቲ ልሙድ ከምዝወንጀላ ዝዝከር እዩ።