ሕቡራት ሃገራት፡ ናብ ትግራይ ክጓዓዓዝ ዝግበኦ ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ሰመራ ተዓጊቱ ከምዘሎ ገሊፁ።

ሕቡራት ሃገራት፡ ትማሊ ኣስታት 40 መኻይን ምግቢ ሓዊሱ ሰብኣዊ ሓገዝ ፅዒነን ካብ ሰመራ ናብ ትግራይ ከምዝተበገሳ ኣፍሊጡ።

እዚ ድማ ድሕሪ 1 ጥቅምቲ 2014 ዓ/ም ናይ መጀመርታ ምዃኑ ሓቢሩ።

ይኹን ምበር ነዳድን መድሓኒትን ዝፀዓና መኻይን ክሳብ ሐዚ ካብ ሰመራ ክንቀሳቐሳ ከምዘይተፈቐደለን ዝሓበረ መግለፂ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ካብ ዕለት ናብ ዕለት እንዳተጋደደ ይኸይድ ስለዘሎ ስሩዕ ምንቅስቓስ ሰብኣዊ ረድኤት ክህሉ ኣዝዩ ወሳኒ ምኻኑ ገሊፁ።

ኣብ ሰሙን 500 ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝፀዓና መኻይን ከምዘድልያ ደጊሙ ዝገለፀ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ብኣየር ዝግበር በረራ ውን ድሕሪ 5 ጥቅምቲ 2014 ዓ/ም ካብ ትማሊ ጀሚሩ ከምዝተፈቐደሉን ናይ መጀመርታ በረራ ከምዝገበረ ሓቢሩ።

በዚ በረራ ውን ካብን ናብን ትግራይ ሰራሕተኛ ከዘዋውር ከምዝኸኣለን ኣዝዩ ውሱን ጥረ ገንዘብ ከእቱ ከምዝኸኣለን ሓቢሩ።

ይኹን ምበር ብሕፅረት ገንዘብን ነዳድን ኣብ መሬት ዘሎ ምንቅስቓስ ሰብኣዊ ረድኤት ኣዝዩ ውሱን ከምዝኾነ ብምሕባር ብዘለዎ ዓቕሚ ኣዝዩ ወሳኒ ንዝኾነ ጉዳይ ህፁፅ ረዲኤት ጥራሕ ኣብ ምሃብ ከምዝርከብ ሓቢሩ።

ኣብ ዓፋርን ኣምሓራን ሰብኣዊ ሓገዝ እንዳገበረ ከምዝርከብ እውን ሓቢሩ።

ኣብዝሓለፈ ሰሙን መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ኣምሓራን ዓፋርን ብኣየርን ምድርን ሓገዝ ንኽቐርብ ሙሉእ ፍቓድ ከምዝሃበን፣ እቲ ፍቓድ ብዛዕባ ናብ ትግራይ ዝግበር ሰብኣዊ ረድኤት ከምዘይሓወሰን ዝዝከር እዩ።