ብኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያን ላዕለዋይ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ዕላዊ ዝተገበረ መጽናዕቲ ወጋኒን ዘይሳይንሳውን ከምዝኾነ ምሁራት ሕጊ ኣፍሊጦም።

ኣብቲ ሕብረት ማሕበራት ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ካብ ዘቕረቡ ምሁራት ሕጊ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ሓደ ዝኾነ መምህር መኮነን ፍሰሃ፡ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ከምደላሊ ኮይኑ ብሓባር ነፅናዓዮ ዝብል ምሕፅንታ ንኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ከምዘቕረበ ሓቢሩ።

መበገሲ ሓሳብ እቲ ሓበራዊ ምርመራ እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኸፈተ ቅሉዕ ወራር ‘ጎንፂ’ ብዝብል ቃል ኣድማስ እቲ ግፍዕታት ብዘነኣእስ ብያነ ትርጉም ከምዝጅምር ዝገለፀ መምህር መኮነን “መልዓሊኡ እውን ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ብዝገበሮ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ እዩ ዝብል ባዕላዊ ድምዳመ ሒዙ” ከምዝተበገሰ ገሊፁ።

ኣብ ከምዚ ዓይነት ዓለምለኻዊ ምርመራታት ከምመበገሲ ክኸውን ዝግበኦ ሓፈሻዊ ኲናት ንምልዓል ምኽንያት ክኾኑ ዝኽእሉ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊን ኢኮነሚያዊን ኩነታት ኣብ ክንዲ ምብርህራህ እቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሓዞ እዚ ሰሜን ስለዝተወቐዐ ኲናት ተጀሚሩ ኢሉ ምድምዳሙ ነቲ መንግስቲ ወጊኑ ምብጋሱ ኣመላኻቲ ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣብቲ መበገሲ ሓሳብ ምርመራ ደብዳባት ከቢድ ብረት፣ ኣየር፣ ድሮንን ኣፅዋር ኬሚካልን ከምዘይተኻተቱ ዝጠቐሰ መምህር ሕጊ ዩኒቨርሲቲ መቐለ መኮነን ፍሰሃ እቲ መፅናዕቲ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ከምዘካየድዎ እኳ እንተጠቐሱ ድሕሪ ሰነ 21 ግን ናብ ትግራይ ንምርመራ ኢሉ ዝመፀ ኣካል ብዘይምህላው ትኽክለኝነት እቲ መፅናዕቲ ኣብ ሓደጋ ዘእተው ዝተዛብዑ ሓሳባት ምክታቶም ገሊፁ።

ዓለምለኸ ምርመራታት ምፅናት ዘርኢ ቅድሚ ምክያዶም ናይቲ ዘፅንዕ ኣካል ዘይሻራውነት፣ ናፅነት፣ ዘይምውጋን፣ ግልፅነት መለክዒታት ምርመራ፣ ስብእና መርመርቲ ኣካላት፣ ተኣማንነት፣ ሞያውነት፣ ምዕሩይነትን ወካላይነትን ምርምር ዝፍተሸሉ ከይዲ ምስሓለፈ ናብ ምርመራ ክእቶ ይግባእ።

ብመንፅር እዞም መለክዒታት ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝምወል፣ መራሒኡ ብመንግስቲ ዝምረፅ፣ ተሓታትነቱ ናብቲ ህወሓት ኣሸባሪ ኢሉ ዝፈረደ ባይቶ ኢትዮጵያ ምዃኑ ዝገለፀ መምህር መኮነን ብመሰረት “ሓደ ሰብ ኣብ ናይ ባዕሉ ዋኒን ክፈርድ ኣይግባእን ዝብል ዓለምለኻዊ ሕጊ እቲ ኮምሽን ኣብ ትግራይ ንዝተፈፀመ ግፍዒ ናይ ምምርማር ሕጋዊ ቅቡልነት ከምዘይብሉ ኣብሪሁ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ካብ ሑመራ ክሳብ መቐለ ዋላ ሓደ ሰብ ከይሞተ ሕጊ ኣኽቢረ ወዲአ ኣብዝበለሉ ሰሙን ዋና ኮምሽነር እቲ ትካል ዳንኤል በቀለ “እቲ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ብዘይጎናዊ ጉድኣት ምዝዛሙ ዘሐጉስ እዩ” ዝብል መብርሂ ምሃቡ ዝዝከር እዩ።

መምህር መኮነን ፍሰሃ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰል ከይኮነስ እቲ ዋና ኮምሽነር ክንደየናይ ናይቲ መንግስቲ መሳሰዪ ምዃኑ ዘብርህ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ኣብቲ ሰነድ መበገሲ መፅናዕቲ “ነቲ መፅናዕቲ ናይ ምምራሕ፣ ምግምጋምን ምምሕያሽን ስልጣን ነቲ ዋና ዳይሬክተር ምውሃቡ ድማ ኣብቲ መፅናዕቲ ግደ ላዕለዋይ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዘደብዝዝ ዘይሻራውነት እቲ ፀብፃብ ባይታ ዝዘበጠ ክኾን ጌርዎ” ክብል መምህር መኮነን ተዛሪቡ።

ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ሰነድ ኣብ ትግራይ ዝነበሩ እሱራት ስለዝተፈትሑ ፆታዊ ዓመፅ ክጋደድ ይኽእል እዩ ኢሉ ዘቐመጦ መደምደምታ እቲ ብወረርቲ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣነስትዮ ትግራይ ዝተፈፀመ ኣብ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ጉጅለኣዊ ፆታዊ ዓመፃት ትኽክለኛ ክብደት ተዋሂብዎ ከይምርመር ኣናኢስካ ክረአ ዝዓለመ ከምዝኾነ ኣብቲ መድረኽ ዝተሳተፈት ኣዶ-መንበር ማሕበር ደቂ ኣነስትዮ ትግራይ ወይዘሮ ኣበባ ሃይለስላሰ ገሊፃ።

ካልኦት ከም ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል (ኣብ ኣክሱም ብኣማኢት ዝቑፀሩ ብጅምላ ተቐቲሎም) ቤልጄማዊ ምሁር ጃን ንይሰን (ልዕሊ 800 ተጨፍጪፎም) ዝበሉ መመሳኸርቲ ከይጠቐሰ ምሕላፉ እውን ናይቲ መፅናዕቲ ሳይንሳዊነት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምዃኑ መምህር መብራህቶም ተስፋሁነይ ገሊፁ።

ካብዚ ብተወሳኺ ፆታዊ ዓመፅ ዝበፅሓ ኣብ መበል 162 ዓንቀፅ እቲ ምርመራ ዝተጠቐሰት ጓል ኣነስተይቲ ሰራዊት ኤርትራ ‘ተጋሩ ሰብኡት ቀቲልና ደቂ ኣነስትዮ ክንደፍር ኢና ተላኢኽና መፂና” እናበሉ ከምዝደፈሩዋ ጠቒሱ ከብቅዕ ኣብ ትግራይ ምፅናት ዘርኢ ኣይተፈፀመን ኢሉ ምድምዳሙ እቲ ምርመራ ፈፀምቲ ገበን ከይሕተቱ ከለላ ንምሃብ እምበር ፍትሒ ንምንጋስ ከምዘይተበገሰ ኣማላኻቲ ምዃኑ ምሁር ሕጊ መምህር መብራህቶም ገሊፁ።

ካብዚ ብተወሳኺ መንግስቲ ኮነ ኢሉ መንገድታት ሰብኣዊ ግልጋሎት ዓፅዩ እናሃለወ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጥሜት ከምመሳርሒ ኲናት ምጥቃሙ መረዳእታ ክረክብ ኣይከኣልኩን ምባሉ ላግፂ ብምዃኑ እቲ ፀብፃብ መትከላት ዓለምለኻዊ ምርመራ ስለዘየማልእ ውድቂ ተጌሩ ብዘይሻራዊ ዓለምለኻዊ ትካል ክፃረ እቶም ምሁራት ሕጊ ሓቲቶም።