ኢትዮጵያ፡ ኣርባዕተ ዲፕሎማት ኣየርላንድ ከምዝሰጎገት ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኣየርላንድ ሲሞን ኮቨነይ ገሊፁ።

ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከቡ ሽዱሽተ ዲፕሎማት ኣየርላንድ እቶም ኣርባዕተ ትማሊ ከምዘባረረቶም ተገሊፁ።

እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ኣየርላንድ ኣብ ኲናት ትግራይ ብዘለዋ ቅዋም ምኽንያት ምዃኑ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኣየርላንድ ሲሞን ኮቨነይ ትማሊ ገሊፁ።

“ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝተመሓላለፈ ውሳነ ሓዚነ፣ ኣብ ባይቶ ፀጥታ ሓዊሱ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለና ዓለምለኻዊ ቅዋም ብመሰረት ቅዋም ሕብረት ኣውሮፓ ዩ” ዝበለ ኮቨነይ ኣብ መግለፂኡ፣ ኣየርላንድ ግጭት ኢትዮጵያ ብሰላማዊ መንገዲ ኣብ ምፍታሕ ንሕብረት ኣፍሪካ ዘለና ድጋፍ ንገልፅ ኢሉ።

ሉኣላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኢትዮጵያ ኣብ ምሕላው ውን ውሳነና ጥቡቕ ዩ ኢሉ።

እቲ ዝገርም ድማ እዚ ውሳነ ዝተመሓላለፈ ካቢነ ሓዱሽ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ናብ ኣየርላንድ ኣብ ዘፅደቐሉ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ምዃኑ ዩ።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኣሜሪካ ሊንዳ ቶማስ ብወገና ኣየርላንድ ኣብ ባይቶ ፀጥታ ሓዊሱ ኣብ ቅልውላው ኢትዮጵያ ዘለዋ ስግኣት ብምግላፃ ምኽንያት ኢትዮጵያ ዲፕሎማታታ ክተባርር ብምውሳና ዘተሓሳስብ ዩ ኢላ።

ኢትዮጵያ እዚ ውሳነኣ መሊሳ ክትሓስበሉን፣ እዞም ዲፕሎማት ናብ ወሳኒ ስርሖም ክምለሱ ክትገበርን ኣተሓሳሲባ።

ኣየርላንድ ኣብ ትግራይ ዝፍፀሙ ዘለው ግፍዕታት ካብ መጀመርታ ኣትሒዛ ዘውገዘት ሃገር ኮይና፣ ኲናት ደው ክብል፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ክባፃሕን ተሓታትነት ክነግስን ብባይቶ ፀጥታ ኣቢላ ዘይሕለል ፃዕሪ እንዳገበረት ዝፀንሐት ፈታዊት ትግራይ ከምዝኾነት ይፍለጥ።