ሰራዊት ትግራይ ኣብ ድርኩኺት ኣዲስ ኣበባ ምብጽሑ ዘስዓቦ ሸበድበድ ማሕበረሰብ ዓለም!

እቲ ተደጋጋሚ ጻዊዕት ሰላም ብምርጋጽን ብምንጻግን ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ምክያድ ዝርኸብ ኲናት ትግራይ ሰራዊት ትግራይ ግስጋስኡ ብምቅልጣፍ ካብ ዋና ከተማ እታ ሃገር ብክልተ ሚኢቲ ኪሎሜትር ርሒቑ ኣብ ዝርኸበሉ እዋን ሙሉእ ትኹረትን ጻዕሪ ማሕበረሰብ ዓለም ረኺቡ ይርኸብ።

ብየተሓሳስበና ዝብል መግለጺን ዘረባን ጥራሕ ተሓጺሩ ዝነበረ ማሕበረሰብ ዓለም ዝባህረረ ይመስል። ኣብ መሬት ዘሎ ግስጋሰ ሓጺን ብርኪ ሰራዊት ትግራይን ዓዶኽዶኽ ዝበለ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኣብዚ ጉዳይ ዓቂጹ ኾነ ደቂሱ ንዘነበረ ኩሉ ዘባህረረ ኮይኑ ኣሎ። ብፍላይ ድማ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ እዩ እናበለ ዝተፈላለዩ ጻዕሪታት ክዓጽውን ክነጽግን ዝጸነሐ ብሙሳ ፋቂ ዝምራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ልዕለይ መፍትሒ ከምጽእ ዝክእል የለን ብምባል ክጓየይ ይረኣይ ኣሎ።

ፍሉይ ልኡክ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክኸውን ብሙሳ ፋቂ ተመዚዙ ዝተሰየመ ነበር ፕሬዝደንት ናይጀርያ ኣሊሳጎን ኣባሳንጆ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ፣ ሕብረት ኣውሮፓን ሃገራት ኣውሮፓን፣ ውዱብ ሕብረት ሃገራትን ኣሜርካን ድሕሪ ምዝርራብን ብድሕሪኡ ጠጠው ክብላ ድሕሪ ምግባርን ንፈለማ እዋን ንመቐለ ኣምሪሑ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ትግራይ ብኣካል ዝተዘራረበ ሰብ ኾይኑ ኣሎ።

ኣብ መቐለ ፕረዝደንት ትግራይ ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ረኪቡ ዘዘራረበ ፍሉይ ልኡክ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣሊሳጎን ኣባሳንጆ ንካውንስል ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪካን ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕብረት ሃገራት ጉዳይ ኢትዮጲያን ብዝምለከትን ዝነበሮም ጉዕዞን ኣመልኪቱ መብራህርሂ ሂቡ።

ኣብቲ እዋን ኣባሳንጆ ናብ ትግራይ ዘምረሐ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ተራኪቡ ድሕሪ ምዝታዩን ናብ ትግራይ ከምርሕ ከምዝግባእን ድሕሪ ምስምዕማዖምን ከምዝኮነን ክልቲኦም ካውንስላት ዘተዛረበ እንትኸውን ብተወሳኪ ምስ ፕሬዝደንት ክልል ኦሮምያ ሽመልስ ኣብዲሳን ፕሬዝደንት ኢትዮጲያ ሳህለ ወርቅ ዘውዴን ከሙኡ እውን ኣብ ቀረባ ምስ ሰብ ስልጣን ክልል ኣምሓራ ከምዝተራከበ እውን ኣፍሊጡ።

ቅድሚ ዝተወሰኑ ኣዋርሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣይኾነን ሰበ ስልጣን ዝተፈላለዩ ትካላት ናብ ትግራይ ኣየር ኣዳልዩን ኩሉ ኣመቻችዩን ክልክስ ይትረፍ ሰላም ዘልዕለሉ እውን ክሰምዕ ኣይደልን ኔሩ። እዚ ዘይከኣልን ዘይሕሰብን ዝነበረ ጉዳይ ውጽኢት ሰራዊት ትግራይ ኣብ ድርኺኩት ኣዲስ ኣበባ ኮይኑ ምንኩሕኳሕ ድሕሪ ምጅማሩ እዩ።

ኣብቲ ናይ ፈለማ ምስ ፕሬዝደንት ደብረጽዮንን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይን ዝገበሮ ዘተ ፍልፍል እቲ ጎነጽ ፖለቲካዊ ከምዝኮንን ፖለቲካ መፍትሒ ከምዘድልዮን ብተናጸል ከምዝተስማዕሙ ዘፍለጠ እንትኸውን እቲ ኲናት ብዘተ ንምፍታሕ ዝከእል  ጸቢብ መስኮት ከምዝተከፈተ  ተዛሪቡ ኔሩ። ድሕሪ እቲ ናብ ትግራይ ዝተገበረ ፈላማይ ዕውደት ኣባሳንጆ ናብ ትግራይ ብተደጋጋሚ ዝተመላለሰ እንትኸውን ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ እቲ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ሰላም ዓብይ ትጽቢት ጌሩሉ ይርኸብ።

ድሕሪ እቲ ፈላማይ ዕውደት ኣባሳንጆ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናንቆልቆለ ይከይድ ከምዘሎ ዝገለጸ እንትኸውን ብፍላይ ድማ ድሕሪ ኣብ ደሴን ኮቦልቻን  ብዝተገበረ ሓያል ውግእ ካቢኔ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ከም ዝኣወጀን ሰበስልጣን እታ ሃገር ድማ ህዝቢ ንዋና  ከተማ እታ ሀገር ክከላከል ጻዊዒት ከምዝገበሩ ነቶም ካውንስላት መብርሂ ኣብ ዝሃበሉ እዋን ተዛሪቡ።

እቲ ተረኪቡ ዘሎ ዕድል ኣዝዩ ንእሽተይን ዘሎ ግዜ ድማ ኣዝዩ ውሑድ እዩ ዝበለ ነበር ፕሬዝደንት ናይጀሪያ ኣሊሳጎን ኣባሳንጆ ዝተረከበ ዕድል ብደንቢ ናብ ጥቅሚ ክውዕል ከምዝግባእ ዘተሓሳሰበ ኮይኑ እቲ ኲናት ተጋዲዱ ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ነቲ ዞባ ቅድሚ ምጽላይ ምጅማሩ ብዘላቂ ብዘተ ንክፋትሕ ሓባራዊ ጻዕሪ ክግበር ዝግባእ ሐዚ ከምዝኮነ ኣብሪሁ። እዚ መሰረት ብምግባር ድማ ሕብረት ኣውሮጳ፣ ሕብራት ሃገራትን ኣሜርን እቲ ተረኪቡ ዝብሃል ዘሎ ዕድል ንምምጥቃም ኣብ ምጉያይ ይርኸቡ።

ብተመሳሳሊ መንግስቲ ኣሜርካ እቲ ኲናት ብዘተ ንምፍታሕ ዘክእል ዕድል ተረኪቡ ኣሎ ዝበለ እንትኸውን ፍሉይ ልኡኽ ኣሜርካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ጄፌሪ ፌልትማን ብተደጋጋሚ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምቅናዕ ን ኦሊሳጎን ኣባሳንጆ ብምርኻብ ክልቲኦም ፍሉይ ልኡካት ብሓባር ብምኳን እቲ ዝተረከበ ዕድል ጸንቂቅካ ንምጥቃም ኣብ ምጉያይ ይርኸቡ።

ኣሊሳጎን ኣባሳንጆ ሎሚ ናብ ክልል ዓፋርን ኣምሓራን ብምምራሕ ተመሳሳሊ ዘተ ንምክያድን ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ክበጸሓሎም ዝክእል መገዲ ንምዝታይ ከምዘምርሑ  ኣብ ባይቶ ሕብራት ሃገራት ኣፍሊጦም ዝነበሩ እንትኸውን ክሳብ ሐዚ ኣብ ዘሎ ምዕባለ ሰበሰልጣን ክልል ኣምሓራ ጥራሕ ከምዝረኸቡ እዩ ዕላዊ ኮይኑ ዝርኸብ። ኣብቲ ዘተ ካብ ሰብኣዊ ሓገዝ ወጻኢ ተጻባእቲ ሓይልታት ካብ ዘይናቶም ቦታታት ስለምውጻእ ከምዝዝትዩ እውን ሓቢሮም ዝነበሩ እንትኸውን ክሳብ ሐዚ ምስ መንን ኣብ ምንታይ ጉዳይን ከምዝዘተዩ ዕላዊ ዝግበርዎ ነገር የለን።

እንተኾነ ኲናት ብዘተ ክፋሕን ሰላም ክሰፍንን ዝግበር ጻዕሪ ብመርሆ ብርኪ ዘይንቀፍን ዝድገፍን ዋላ እኳ እንተኾነ እቶም ብማሕበረሰብ ዓለም ዝግበሩ ዘለው ጻዕሪታት ግን ረብሓ ትግራይ ዘሰሱኑን ዝረጋግጹን ከሙኡ እውን መሰረታዊ ፖለቲካዊ ጎነጽ እታ ሃገር ዝተረዱኡን ምኳኑ ምርግጋጽ የድሊ። ፍታሕ ክርኸብ እንተኾይኑ ካብ ተራ እቲ ጸገም ዘይተረደአ ሽምግልናን ናይ “ሕደጉ ሕደጉ” ጻዊዒትን ዝተናገፈ ክኸውን ይግባእ።

 መንግስቲ ኢትዮጵያ ንወራር ኩሉ ነገር ወዲኡ ትግራይ ንምጥቃዕ ኣብ ዝሸባሸበሉ እዋን ንፖለቲካዊ ፕሮፖጋንዳ ክጥዕምን ሰራዊትን መንግስቲ ትግራይን ነጻጊ ሰላም ጌርካ ብምቅራብን ንባዕሉ ለማናይ ደላይ ሰላምን ንምምሳሳል ዘይገበሮ ጻዕሪ የለን። ጻዕዳ ሻሽ ዝጠምጠሙ ፖለቲኸኛ ኣቅሽትን ሸኻትን ናብ መቐለ ብምልኣኽ፣ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ጸገም ክፈልጡን ክርዱኡን ዘይክእሉ ፖለቲካዊ ውግንንኦምን ልእኾሙን ዳሕራይ ጋሃድ ዝወጸ “ፍሉጣት” ሰባትን ኣኪቡ ብምልኣክ ኲናት ከይልዓል ጻዕሪ ክግበር ከምዝፈተነ ክመስል መኪሩ እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ንግዚኡ እንተኾነ እውን ኣብ ዙርዩኡ ድጋፍ ከተኣካክበሉ ክኢሉ እዩ። እቲ ሐዚ ብኦሊሳጎን ኣብሳንጆ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ እውን ተመሳሳሊ ክፍተትን ስሕተትን ዝተመልኦ ኣከያይዳ ዘለዎ ከይኸውን ምርኣይን ምክትታልን ዘድልዮ እዩ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናት ብዘተ ክፋታሕ ፍሉይ ልኡኽ እንተጣይሽ እዚ ንካልኣይ ግዜ እዩ። ኣብ ወርሒ ሕዳር 2013 እቲ ኲናት ድሕሪ ምውልዑ ሰለስተ ፕሬዝዳንታት ነበር ሽይሙ ኔሩ። ፕሬዝደንት ነበር ሞዛንቢክ ጆኣኪም ኪሳኖ፣ ኢለን ጆንሰን ሰሪሊፍን ከምኡውን ካሌማ ሞትላንተ ብሓባር ብምግባር እቲ ኲናት ብዘተ ጠጠው ክብል ክጽዕሩ ተሞኪሩ ኔሩ። እዚ ጻዕሪ ብዋና ጻሓፊ ውድብ ሕብረት ሃገራት ኣንተንዮ ጉተሬዝ እውን ድጋፍ ረኪቡ ዝነበረ እንትኸንው ኣብቲ እዋን ግን መንግስቲ ኢትዮጵያ ስዒርና ኲናት ተወዲኡን እዩ ብምባል ኣብ ሓጎስን ድግስን ብምንባሩ እቲ ጻዕሪ ክቅጽል ኣይኸኣለን።

ብካሊእ ወገን ድማ ብኮሙሽነር ሙሳ ፋቂ ዝምራሕ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናት ሕጋዊ ኣግባብ ዘለዎን ግዝኣታዊን ልኣላውነት እታ ሃገርን ንምሕላው ዝተወሰደ ስጉምቲ እዩ ኢሉ ብምቅራቡ እቲ ዝግበር ጻዕሪ ልባዊ እዩ ኔሩ ምባል ኣይከኣልን። ኮሙሽነር ሙሳ ፋቂ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ኣብ ጉዳይ ትግራይ ዘንጸባረቆ ቅዋም ብኣብዝሓ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወገነ እትኸውን ዓለም ሙሉእ ኣብ ዘውገዞ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዕጽዋ ሰብኣዊ ሓገዝን ዝበሎ ዋላ ሓደ ነገር የለን። ነበር ፕሬዝደንት ናይጀርያ ኣሊሳጎን ኣባሳንጆ ድማ ብዋናነት ብሙሳ ፋቂ ዝተሾመን ብቀጥታ ተጸዋዕነቱ ናብ ሙሳ ፋቂ ዝኮነ እንትኸውን ክሳብ ሐዚ ሙሳ ፋቂ ዝነበሮ ቅዋምን ብምርኣይ ድማ ሕብረት ኣፍሪካ ዝገብሮ ሽምግልና ኣብ ገልልተኝነቱ ብወገን ትግራይ ሕቶ ክልዓልን ተቋውሞ ክድመጽን ጸኒሑ እዩ።

ካብዚ ብተወሳኪ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ወታደራዊ ጎንጺ ከም ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ዝተለመደ ስልጣንን ሃፍቲን ዝወሎዶ ጌርካ ብምውሳድ መሰረታዊ ፖለቲካዊ፣ ታሪካዊን ናይ ባህጊ ጎንጺ ጌርካ ዘይምርኣይ ጸገም ዘለዎ እንትኸውን ሐዚ እውን ኣብ እቲ ኲናት ኣብ ሱዳን ካሊእን ከምዝተገበረ ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስቲን ትግራይን ናይ ስልጣን ክፍፍል ብምግባር እቲ ኲናት ጠጠው ምባል ይኸኣል እዩ ዝብል ግምታት ክንጸባረቑ ይርኣይ እዩ። 

 እዚ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ጎነጽ እታ ሃገር ዘይተረደአ ኣከያይዳ ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ጎነጽ ክናዋሕን መንግስቲ ኢትዮጵያ ግዜ ክገዝእ ብምግባር መሳርሒ ዝሽምተሉ ሓዱሽ ሰራዊት ኣሰልጢኑ ዘዋፍረሉ ዕድል ካብ ምሃብ ወጻኢ እዝዩ ዝብሃል ረብሓ ዘይህብን እቲ ጸገም ንሓዋሩ ዘይፈትሕን ኽኸውን ይኽእል እዩ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣሊሳጎን ኣባሳንጆ ነቲ ዘሎ ወታደራዊን ፖለቲካዊን ጎነጽ ብኣግባቡ ዝተረዱኡ ዘይምስሎም ጻዊዒታት ክግበሩ ኣብ ዝሓልፈ ሰሙናት ተራእዮም። እቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ትግራይን ዘሎ ናይ ፖለቲካ፣ታሪኽ፣ባህጊን ክብርታትን ዝወሎዶ ጎነጽን መፍትሒኡን በታቲዖም ዝተረዱኡ ኣይመስልን። ኣብ ዝሓለፈእዋን ኣብ ካውንስል ሰላምን ጸጥታትን ሕብረት ኣፍሪካን ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕብራት ሃገራት ቀሪቦም ዘቅረብዎ መደረን ጻዊዒትን ነዙይ ጋህድ ዝገብር እዩ።

ፕሬዝደንት ኣባሳንጆ ክልቲኦም ሓይልታት ብተናጸል መልዓሊ እቲ ኲናት ፖለቲካዊ እዩ ኢሎም ምስምዕሞም ከም ሓዱሽ ፖለቲካዊ ከም ሓዱሽን ዓብይን ነገር ቆጺሮም `there is a window of opportunity’  ኢሎም ምእዋጆም እቲ ዘሎ ፖለቲካዊ ሕልኽልን ሕሶት ዝተመልኦ ባህሪ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብኣግባቡ ዘይምርዳእ እዩ ዝብሉ ተዓዘብቲ ብዙሓት እዮም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ይኹን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዘይብሎን ዘይገብሮን ነገር ከምዘየለ ምግንዛብ የድሊ። ንዘተ ይኹን ንካሊእ ቁሩብ ኮይኑ ንምርኣይ ዝፍትን ዘሎ ብከምዚ ዝበሉ ዲፕሎማሲያዊ ጻዕሪታት ንመሳርሒ መሸመቲን ንሓዱሽ ሰራዊት መሰልጠኒን ግዜ መግዝእን ዳኣ እምበር ዝኮነ ይኹን ናይ ዘተ ቁሩብነት የብሉን።

ብርግጽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሸምገልትን ል ኡኻት መንግስቲን ዝተፈላለዩ ትካላትን ናብ ትግራይ ኣቅኒዖም ኣብ ዝተመለስሉ ኣብ ውሽጢ ሕዲያት ሰዓታት ናይ ድሮንን ኣየርን ደብዳብ ከካይድ ይረኣይ ኣሎ። እዙይ መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ናይ ሽምግልና ጻዕሪ ንግዜ መግዚኡን መሳርሒ መሸመትን ካብ ምግባር ሓሊፉ ንወታደራዊ ስለላን መጥቃዕትን ይጥቀመሉ ምህላዩ ግምቶም ዘቀምጡ ብዙሓት እዮም።

ካብዚ ብተወሳኪ ነበር ፕሬዝደንት ኣባሳንጆ ቶኩሲ ብዘይ ምንም ቅድመ ኩነትን ብቐጥታ ጠጠው ይበል ኢሎም ምጽወዖም እውን ነቲ ዘሎ ፖለቲካዊ ሕልኽልክ እቲ ዂናት ብልክዑ ዝተረዱኡ እዮም ዘበል ኣይኾነን። ተዂሲን ተጻብኦን ጠጠው ናይ ምባል   ስምምዕነት ኮነ ስጉምቲ ካብ መሬት ተልዓይልካ ዝግበር ጥራሕ ዘይኾነ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ተጻባእቲ ሓይልታት ዝተወሰነ እቲ ጎነጽ ብዘተ ንምፍታሕ ቁሩብነት ምህላው ዘድልዮ እዩ።

ተጋዳላይ ሙሉጌታ ገብረሂወት(ጫልቱ) the definition and politics of ceasefire ኣብ ዝብል ናይ ቀረባ ጽሕፉ ማሕበረስብ ዓለም ዝገብሮ ዘሎ  ተኲሲ ደው ናይ ምባል ጻዊዒት ብዓላማን ትሕዝቶን ዘይነጸረ ከምዝኮነ የቅምጥ። ጻዊዒት ነበር ፕሬዝደንት ኣባሳንጆ እውን ካብዚ ዝተፈለየ ኣይኾነን።

እቶም ብሃገራትን ዓለም ለካዊ ትካላትብ ዝቀርቡ ዘለው ፃዊዒታት ነየናይ ዓላማ ምኳኑ ዘይነጸሩን ትሕዝቶኦም እውን ብደንቢ ዘይተፈለጡ ከምዘይኮኑ ኣብ ዝርዝር ጽሑፉ የብርህ።

ተኩሲ ድው ናይ ምባል ስጉምቲ ንፖለቲካዊ ዘተ ምትእማን ዓሊሙ ካብ ምግባር ጀሚሩ ክሳብ ንሰብኣዊ ሓገዝ ተባሂሉ ዝግበር ከምዝኮነ ዝሓበረ ሙሉጌታ ጫልቱ ትሕዝቶ እቲ ስምምዕነት ድማ ብዙሕ ወታደራዊን ፖለቲካዊን ዋኒናት ዘጠቃልል ከምዝኮነ ይገልጽ።

ተኩሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕነትን ፃዊዕትን ክግበር እንተኮይኑ ዝርዝር ጉዳያት እውን ዘጠቃልል ክኸውን ኣለዎ። እቲ ስምምዕነት ዘጠቃልሎ ጉዳያት ብምልኡ ብዝርዝር ዝቀምጥን እቶም ዋና ሓይልታት ዘሳትፍን ክኸውን ይግባእ።

እንተኾነ ኣባሳንጆ ዝገብሮም ዘሎ ጻዕሪታት እንትረኣይ ዝርዝር ጉድያት ዘተቃልልን እቲ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ጎንጺ ተረዲኢካ ዝርዝር መፍትሒ ኣቀሚጥካ ዝግበር ዘይኾነስ ብዲፕሎማሲያዊ ጸቅጢ እቶም ሓይልታት ኲናት ጠጠው ከብሉ ንምድፋእ ዝዓለመ ይመስል።

ብተወሳኪ ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝርከቡ ከም ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞን ካልኦትን ሓይልታት ኣብቲ ዘተን ሽምግልናን ክሳተፉ ዝተገበረ ጻዕሪ ዘይምህላዩ እቲ ሽምግልና ነቲ ጎነጽ ዘይተረደአ ናይ ጉያ ጉያ ዘተ ምኳኑ ዝርእይን ተስፋ ዝግበረሉ ከምዘይኾነ ዝዛረቡ ውገናት ብርኽት ዝበሉ እዮም።

ብዙይ ኾነ ብእቲ እቲ ኣብ መወዳእታ ብርኪ በጺሑ ዝርኸብ ኲናት  ማሕበረሰብ ዓለም ንሓደ ዓመት ብዑቱብ ክኸታተሎ ዝጸነሐ ኲናት ዋላ እንተኾነ መስረታዊ ጎነጽ ኢትዮጵያ ዝተረደኣን ንሓዋሩ ድማ ብሓቃዊ መንገዲ ክፈትሕ ዝተዳለወ ኣይመስልን። ንእቶም ዝግበሩ ዘለው ናይ ሽምግልና ጻዕርታት ነዚ መልዓሊ እቲ ኲናት ዝተረዱኡ ዝርዝር ጉዳያት ዝሓዙን ኩሎም ኣካላት ዘሳተፉን ክሳብ ዘይኾኑ ንሽሙ ጺዒርና ንምባል ጥራሕ እንድሕር ዘይኾነ ትርጉም ዘለዎ ለውጢ ከምጹኡ እዮም ተባሂሉ ትጽቢት ዝግበረሎም ኣይኾነን።