ስርዓት ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ደብዳብ ድሮን ከምዝፈፀመ ተገሊፁ።

እቲ ደብዳብ ድሮን ንጎሆ ከባቢ ሰዓት ሰለስተ ዝተፈፀመ ክኸውን ከሎ ኣብ ማእከል መንበሪ ኣባይቲ ማለት እውን ቀንዲ ዕላማ ዝኾነ መንበሪ ገዛ ኣባላት ስድራ ተኣኪቦም ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

እቲ ደብዳብ ዝተኻየደሉ ከባቢ ብልሙድ ዳያስፖራ እንዳተብሃለ ዝፅዋዕን ወላ ሓደ ወታሃደራዊ ማዓስከር ኮነ ምንቅስቓስ ዘይብሉን ሰለማውያን ሰባት ዝነብሩ ከባቢ ከምዝኾነን ተገሊፁ።

በቲ ደብዳብ ክልተ ኣባይቲ ሓደጋ ዝወረዶም እንትኾን ቁምቡላ ኣብ ዝባን ናሕሲ ብምዕላቡ መሳኹቲን ዚንጎን ፈሪሱን ነዲዱን እምበር ኣብ ህይወትን ኣካልን ሰባት ሳዕቤን ከምዘይበፀሐ መሰኻኽር ዓይኒ ገሊፆም።

በቲ ዝተፈፀመ ደብዳብ ድሮን ብርክት ዝበለ መንበሪ ኣባይቲ ሰላማዊ ሰባት ዕንወት ዝበፅሐ እንትኾን እቲ ስርዓት ክሳብ ሕጂ ኣብ ከተማ መቐለ ሓዉሱ ኣብ ዘተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ደብዳብ ነፈርቲ ኣካይዱን እናካየደን ይርከብ።

እዚ ድማ እቲ ስርዓት ነቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ብሰራዊት ትግራይ ዝበፅሖ ዘሎ ከቢድ ስዕረት ንምክሕሓስ ዝገብሮ ዘሎ ናይ ዓቕሊ ፅበት ደብዳብ ከምዝኾነ ተዓዘብቲ ይገልፁ።