ውድብ ፌዴራላዊ ኮንግረስ ኦሮሞ “ኦፌኮ” ኣብ ኢትዮጵያ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስረት ፀዊዑ።

ውድብ ፌዴራላዊ ኮንግረስ ኦሮሞ “ኦፌኮ” ኣብ ኢትዮጵያ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስረትን ብህፁፅ ሃገራዊ ልዝብ ክጅመርን ሓቲቱ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣዝዩ ዝኸፍአ ኩነታት ከምዘላን እታ ሃገር ኣትያቶ ዘላ ረግረግ ንኽትወፅእ ብህፁፅ ሃገራዊ ልዝብ ከምዘድሊ ኣተሓሳሲቡ።

ከምኡ እውን ቅልውላው ኲናትን ስእነት ሰላምን ናብ ንቡር ንምምላስ መሰጋገሪ መንግስቲ ከምዘድሊ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት እቲ ውድብ ኣይተ ጥሩነህ ገምታ ሓቢሩ።

እንተኾነ ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ኣብታ ሃገር ብዘሎ ኣጋጣሚ ብምጥቃም እቲ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ካብ ዝፈቕዶ ወጸኢ “መሰጋገሪ መንግስቲ ወይ’ውን ካልእ ሕጋዊ ዘይኮነ መንግስቲ ክንምስርት ኢና” እናበሉ ኣብ ዝንቀሳቐሱ ኣካላት ኣድላዪ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ ኣሎ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ መጥቃዕትታቶም ብምቕጻል ናብ ኣዲስ ኣበባ ይግስግሱ ከምዘለውን ኣብ ከባቢ 200 ኪሎ ሜትር ርሕቐት በፂሖም ብምህላዎምን ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ምፍርራስን ከቢድ ራዕድን ወዲቑ ከምዘሎ ዝፍለጥ እዩ።