ኣብዚ ቅንያት ጥራሕ ኣስታት 20 ሽሕ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ብሓይልታት ኣምሓራ ከምዝተመዛበለ ተገሊፁ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ብሓይልታት ኣምሓራን መላፍንቶምን ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ሓዱሽ ወፍሪ ምብራር ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀር ህዝቢ መዕልታዊ ካብ መረበቱ ይመዛበል ከም ዘሎ ሕቡራት ሃገራት ገሊፁ፡፡

ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያ ሰባት ብሄረ ተጋሩ ዝፍፀም ዘስከሕክሕ ግፍዒ ተጠናኺሩ እውን ዓበይቲ ከምዝቐፀለ ማዕከናት ዜና ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስን ሜይል ኦንላይንን ፀብፂበን።

እተን ማዕከናት ዜና ከምዝሓበራኦ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀር ህዝቢ ምዕራብ ትግራይ ብዕጡቓት ኣምሓራ፣ ሰራዊት ኤርትራን ሰራዊት ኢትዮጵያን ካብ መረበቱ ብሓይሊ ይመዛበልን ግፍዕታት ይበፅሖን ከምዘሎ ኣቃሊዐን።

ሕቡራት ሃገራት፡ 15 ሕዳር 2014 ዓ/ም ኣብ ምዕራብ ትግራይ ንዝፍፀም ዘሎ ግፍዒ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ጥራሕ ካብ 8 ሽሕ ክሳብ 20 ሽሕ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ናብ ሰሜን ምዕራብ ክመዛበልን ናብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ከምዝተሰደደን ኣረዲኡ።

ካብ ምዕራብ ትግራይ ናብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ዝባረሩ ዘለው ኣዴታት፣ህፃናትን ኣረጋውያንን ተፈልዮም ከም ዝኾነን ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝርከቡ መናእሰይን መራሕቲ ሃይማኖትን እናተሃደኑ ብጃምላ ይእሰሩን ይጋፈዑን ከምዘለውን እውን ቴሌቪዥን ትግራይ ፀብፂቡ።

ስርዓት ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ኲናት ካብ ዝእውጅ ኣትሒዙ ምስ ሓይልታት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ተሻሪኹ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ማእለያ ዘይብሉ ግፍዕን ቅትለትን ብምፍፃም ዝተረፈ ናብ ሱዳንን ሰሜን ምዕራብ ትግራይን ክስደድን ክመዛበልን ከምዝተገበረ ዝፍለጥ እዩ።