ሶማሊላንድ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ንዘካይዶ ዘሎ ኲናት ከምትድግፍ ተገይሩ ብኢቢሲ ዝተወዘዐ ዜና ዝቡዕ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማል ሙስጠፋ ሙሁመድ ምስ ፕረዚዳንት ሶማሊላንድ ሙሴ ቢሂ ኣብዲ፡ ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘካይዶ ሕጊ ምኽባር ከምዝኾነን ሶማሊላንድ ነዚ ሙሉእ ሓገዝ ከምትገብርን ብኢትዮጵያ ብሮድካስት ኮርፖሬሽን ምዝርግሑ ዝፍለጥ እዩ።

ኮይኑ ግና ሶማሊላንድ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ንዘካይዶ ዘሎ ኲናት ከምትድግፍ ተገይሩ ብኢቢሲ ዝተወዘዐ ዜና ፍፁም ዝቡዕ ከምዝኾነ ኣምባሳደር ሶማሊላንድ ኣብ ዓረብ ኤምሬትስ ሓሰን ያሲን ሓቢሩ።

ከምኡ እውን ሶማሊላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ቅልውላው ኲናት፡ ኲናት ሕድሕድ እዩ ኢላ ከምእትኣምንን ክልቲኦም ወገናት ብምርድዳእ ክዛዝምዎን ኣምባሳደር ሓሰን ገሊፁ።

ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ቅድም ኢሉ እውን ሕሶት ከም መንግስታዊ ባህሪ ብምጥቃም ምስ ሃገራትን ዲፕሎማሰኛታትን ዝገብሮ ርክብ ንዕኡ ብዝጥዕሞ ፍፁም ሓሶት እናቀለሖ ምምፅኡ ይዝከር እዩ።

ነዚ መዋቕራዊ መግስታዊ ሕሶት ስርዓት ኢትዮጵያ ዝተገንዘባ ሃገራት ኣብ ልዕሊ እቲ መንግስቲ ዘለወን ተቓውሞ ብምግላፅ እናቃላዓኦ ምምፀአን ዝፍለጥ እዩ።