ኣብ ትግራይ ዓሚ ከምዚ እዋን ንዝተኻየደ ግፍዓዊ ጨፍጫፍ ስነስርዓት ዝኽሪ ተሳሊጡ።

ልከዕ ናይ ሎሚ ዓመት ማለት እዉን 19 ሕዳር 2013 ዓ/ም ብወረርቲ ሓይልታት ኣብ ከተማ መቐለ፣ ኣኽሱም፣ ማርያም ደንገላት፣ ዉቕሮን ካልኦት ከባቢታትን ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ወገናት ተጋሩ ብኣልማሚት ዝተገበረ ጨፍጫፍ ዝኽሪ ተሳሊጡ።

ኣብቲ እዋን ሰራዊት ኢትዮጵያ ንከተማ መቐለ ጥራሕ ብኹሎም ኣንፈታት 49 ጊዜ ብኸበድቲ ኣፅዋራትን ታንክታትን ብዘካየዶ ደብዳብ ብርክት ዝበሉ ሰለማዉያን ሰባት እንትሞቱ ቡዙሓት ተጎዲኦም ግን ድማ ብሂወት ዝተረፉ ነቲ ፍፃመ ከመይ ከምዝዝክርዎ ንቴሌቭዥን ትግራይ ተዛሪቦም።

ካብቶም ኣብ ከተማ መቐለ ከቢድ ብረት ዝዓለቦም ከባቢታት ሓደ ቀበሌ 14 እንትኾን መንእሰይ ቴድሮስ ድማ ካብቶም ግዳያት ሓደ ኾይኑ በቲ ሓደጋ ሓደ እግሩ ስኢኑ ኣብ ካልእ ክፋል ኣካላቱ ‘ዉን ከቢድ ማህሰይቲ ከምዝበፀሖ ገሊፁ።

ካልአይቲ ግዳይ እቲ ዕለት ዝኾነት መንእሰይ ሳባ ተኽላይ ድማ ተግባር ወረርቲ ሓይልታት ህዝቢ ትግራይ ሰሪሑ ከይበልዕን ክጠፍእን ዕላማ ብምግባር ዝተፈፀመ ገበን ጆኖሳይድ ከምዝኾነ ትገልፅ።

እቶም ቆሲሎም ብሂወት ዝተረፉ ግዳያት በቲ ናይ ሐዚ ገስጋስ ሰራዊት ትግራይ ከምዝሕበኑን ሰኣን ዓቕሞም ማዕረኦም ክጎዩ ዘይምኽኣሎምን ከምዘሕዝኖም ብምግላፅ ዓወት ኣብ ኢድ ትግራዋይ ምዃኑ ኣይንጠራጠርን ኢሎም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ብፍቓድ መንግስቲ ኢትዮጲያ ናብ መሬት ትግራይ ኣትዩ ድላዩ ክፍፅም ዝተፈቐደሉ ሰራዊት ኤርትራ እዉን ኣብ ከተማ ኣኽሱም ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ንዝረሸኖም ልዕሊ 800 ሰለማዉያን ሰባት ስነ ስርዓት ምብራህ ሽምዓ ብመኸተ ሳልሳይ ዙር ሓፂን ረመፅ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ተኻይዱ።

ኣብቲ እዋን ኣብ ፀሎትን ምህላን ዝነበረ ነባሪ ከተማ ኣኽሱም፡ ኣብ ኣፍደገ እቲ ቤተክርስትያንን ኣብ መንገዲ ዝተረኸበን ሓደ ብሓደ 19 ሕዳር 2013 ዓ/ም ከቢድ ጨፍጫፍ ከምዝተኻየደ ተሓቢሩ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ማርያም ደንጎላት ብርክት ዝበሉ መናእሰይን ሓረስቶትን ደቂ ኣነስትዮን ዝርከብዎም ገሊኦም ብግፍዒ ተቐጥቂጦምን ተረሺኖምን ናብ ፀድፊ እንትድርበዩ ዝተርኣየሉ ሕማቕ ክስተት እውን እዩ።

ብምዃኑ እውን ኣብቲ ዕለት ብዘይ ዝኾነ ገበን ሂወቶም ንዝሰኣኑ ሰማእታት ትግራይ ድማ መበል 1ይ ዓመት ዝኽሪ ምብራህ ሽምዓ ከምዝተኻየደ ተገሊፁ።