ህዝቢ ትግራይ ብዕፅዋን ደብዳብ ነፈርትን ድሮንን እንትጥቃዕ ህዝቢ ኢትዮጵያ ስቕ ኢሉ ምርኣዩ ከምዘሕዘኖ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ትግራይ ገሊጹ።

ኣብ ሑመራን ካልኦት ከባብታትን ኣብ ልዕሊ ትግራዋይ ዝበፅሕ ዘሎ መቕተልቲን ምፍንቓልን ከምዘቖጠዖ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ትግራይ ኣፍሊጡ።

ህዝቢ ትግራይ ብዕፅዋን ደብዳብ ነፈርትን ድሮንን እንትጥቃዕ ህዝቢ ኢትዮጵያ ስቕ ኢሉ ምርኣዩ ዘሕዘኖ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ትግራይ ፃውዒት ሰላም ኣቕሪቡ።

ንማዕርነታዊ ሓድነት ህዝቢ ኢትዮጵያ ረዚን ዋጋ ዝኸፈለ ህዝቢ ትግራይ ብክባን ዕፅዋን ብጥሜትን ሕማምን እናረገፈ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓሶት መራሕቱ ተደናጊሩ ስቕ ኢሉ ምርኣዩ ከምዘሕዘኖ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ትግራይ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ እውን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ደብዳባት ኣየርን ድሮንን ከምዘተሓሳሰቦ ዝጠቐሰ እቲ ጉባኤ ንሰላም ክሰርሑ ትፅቢት ዝግበረሎም ትካላት እምነትን ሽማግለ ዓዲን እውን ስቕታ ምምራፆም ከምዘተሓሳሰቦ ኣፍሊጡ።

ኣብ ልዕሊ እቲ ዝራእቱ ኣብ ምእካብ ዝነበረ ህዝቢ ትግራይ ኲናት ብምኽፋት ዝበፅሐ ጅምላዊ ጨፍጫፍ፣ ፆታዊ ዓመፅን ዕንወት መሰረተ ልምዓትን ኣብዝኾነ ይኹን ህዝቢ ክበፅሕ ከምዘይግበኦ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ትግራይ ገሊፁ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ሑመራን ካልኦት ከባብታትን ተጋሩ ዝበፅሖም ዘሎ መቕተልቲ፣ ማእሰርቲን ምፍንቓልን ከምዝኹንን ብምጥቃስ እዚ ተግባር ምፅናት ዘርኢ ደው ክብል ሓቲቱ።

ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኣምሓራን ተዋሊዱን ተዛሚዱን ብሓደ ከምዘይነበረ ‘ስቕ ኢልና ካብ እንሞት ሓደ ትግራዋይ ቀቲልና እንተንመውት ዋጋ ኣለዎ ህዝቢ ትግራይ ንምጥፋእ 6 ሚልዮን ህዝቢ እንተመዲብና እኳ እቲ ዝተረፈ 24 ሚልዮን ህዝቢ ኣምሓራ ብሰላም ክነብር እዩ’ ዝብል ኣጉል ቀመር 12 ሚልዮን ናይ ክልቲኡ ህዝቢ ኣጥፊኦም ብሰላም ንምንባር ዝሓስቡ ዋጋ ሰብነት ዘውረዱ ሓይልታት ኣብ ክንዲ ሰላም ኲናት ከምመፍትሒ ምውሳዶም ከምዘሕዘኖ ጠቒሱ።

‘ካብ ትግራዋይ ሰይጣን ይሓይሽ ትግራዋይ ካብ ሕሊናናን ካብ ምድረ ገፅን ክጠፍእ ኣለዎ ትግራዋይ ፀላኢ ኩሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ እዩ’ እናበሉ እዚ ምስኪን ህዝብና እዚ ነንባዕሉ ክጣፋእ ዝደፋፍኡ ዘረባታት ዘዘውትሩ ፃምእ ስልጣን ዘለዎም ኣካላት ኣብ እዋኑ እንተነውግዞም ኔርና ኢትዮጵያ ኣብቲ ሐዚ ዝጠሓለቶ ቅልውላው ኣይምኣተወትን ይብል መግለፂ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ትግራይ።

ሐዚ እውን “ትግራዋይ ከምጤል ጠቢስና ክንበልዖ ኢና” ብምባል ብሃይማኖትን ብስብእናን ፍፁም ተቐባልነት ዘይብሉ ኣረሜናዊ ኣካይዳ ዘሰጉሙ ዘለው ኣካላት ሓቢርና ክነውግዞም ይግባእ ኢሉ።

ኣብዛ ሃገር ሰላም ክሰፍን ዓው ኢሎም ዝተዛረቡ ውልቀሰባት ብምጭቋንን ብምሽቑራርን ኲናትን ዕንወትን ክቕፅል ይግበር ምህላው ዝተገንዘበ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ትግራይ መንግስቲ ፌደራል ንሰላም ዘለዎ ድሌት ትሑት ምዃኑ ከምዝተረደአ እቲ ትካል ገሊፁ።

ህዝቢ ካብ ዝሓመቐ ናብ ዝበኣሰ ፀገም ከይኣተወ በቢዘለናዮ ሰላም ዘምፅእ ተግባራት ብምክዋን ኩሉ እጃሙ ክዋፃእ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ትግራይ ፀዊዑ።