ኣብ ታዕሊም ዝጸንሑ 1ይ ዙር አመራርሓ ኣሰልጠንቲ ሰራዊት ትግራይ ተመሪቖም።

እቶም ሰልጠንቲ ዝልዓለ ብቅዓትን ኣተሓሳስባን ሒዞም ዕድመ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ አብ ዝሓፀረ እዋን ንምድምሳስ ከምዘኽእሎም እቶም ተወሳኺ ስልጠና ክወስዱ ዝፀንሑ ተመረቕቲ 1ይ ዙር አመራርሓ ኣሰልጠንቲ ሰራዊት ትግራይ ኣረጋጊፆም፡፡

ከምኡ እውን ኩሉ ናብ ታዕሊም ወሪዱ ዕድመ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ አብ ምሕፃር እጃሙ ክፍፅም ከምዝግባእ ንቴሌቭዥን ትግራይ ሓቢሮም፡፡

ብምዃኑ እውን ዕድመ ፀላእቲ ህዝብ ትግራይ ንምሕፃር ተወሳኺ ሞያን አተሓሳስባን ንክህልዎም ክስልጥኑ ዝፀንሑ አመራርሓ ኣሰልጠንቲ ሰራዊት ትግራይ 19 ሕዳር 2014 ዓ/ም ምረቓ 1ይ ዙር ከምዝተሳለጠ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ፃንሒቶም ድማ እኹል ሞያን ክእለትን ከምዝሓዙ እቶም ተመረቕቲ አመራርሓ “ሓንቲ ጥይት ንሓደ ፀላኢ” ብዝብል መርሕ ሓሳብ ብኽእለቶም ብቑዕ ዝኾነ ሰራዊት ብምህናፅ ዕድመ ፀላእቲ ንምሕፃር እጃሞም ከምዝፍፅሙ ኣረጋጊፆም፡፡

ሰራዊት ትግራይ ሓቦኛ፣ ፅኑዕ ብዕላማ ዝጓዓዝን ብምኻኑ ዕድመ ፋሽሽታውያን ወረርቲ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ብምድምሳስ ብዓወት ከምዝዛዝሞ ምስ ቴሌቪዥን ትግራይ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ኣረጋጊፆም፡፡

እቶም ተመረቕቲ አብ ፃንሕቶም ብዘኻዕበትዎ ወታደራዊ ሞያን አተሓሳስባን ብቑዕ ሰራዊት አብ ምህናፅ ወታደራዊ ሓላፍነቶም ክፍፅሙ ከምዝግባእ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ዝተረኸቡ ኣመራርሓ ክፍሊ ታዕሊም አተሓሳስቦም፡፡