ቲዊተር፡ ናይ ብርክት ዝበሉ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ኢትዮጲያዉያን ገፅ ከምዝዓፀዎ ኣፍሊጡ።

መርበብ ሓበሬታ ትዊተር ኣብ ፅልዋ ፈጠርቲ ዝበሃሉ ኢትዮጲያዉያን መለለዪ ማሕበራዊ መራኸቢኦም ከምዝተዓፀወን ትሬንድስ ዝበሃል ሓሳባት ዝለዓልሉ ገፅ ንጊዚኡ ከምዝዓፀወን ኣላይንስ ኒዉስ ኣፍሊጡ።

“ኣብ ኢትዮጲያ ዘሎ ኩነታት ብትኹረት ይከታተሎ ኣለኹ እየ” ዝበለ እቲ ትካል ድሕንነቶም ዝተሓለዉ ናይ ሓበሬታ ልዉዉጥ ክህልዉ ኣጥቢቑ ይሰርሕ ምህላዉ ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ቅነ ብኢትዮጲያዉያን ኣብ ገፅ ትዊተር እናዞረ ካብ ዝቐነየ ትሬንድ ሓደ #No more ዝብል እንትኾን እዚ ሓደ ካብቶም ንህውከት ዝዕድምን ሰብኣዉነት ዝጥሕሱን ከምዝኾነ እዉን ገሊፁ።

በዚ ምኽንያት እዉን ክበፅሑ ካብ ዝኽእሉ ኣካላዉን ሞራላዉን ጉድኣታት ንምጉዳል ትዊተር እቲ ገፅ ንኽዕፆ ከምዝተገደደ ኣላይንስ ኒዉስ ፀብፂቡ።

ቲዊተር ብዚ ሐዚ እዉን እቲ ናይ ማሕበረሰብ ርክብ ገፅ ንዘይኮነ ዕላማ ኣብ ዝጥቀሙ ኣካላት ተመሳሳሊ ስጉምቲ ከምዝወስድ ድሕሪ ምግላፅ እቲ ዝተወሰደ ስጉምቲ ረብሻ ንምልዓልን ኣካላዊ ጉድኣት ንምብፃሕን ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ የፍሽሎ እዩ ኢሉ ከምዝኣምን እቲ ፀብፃብ ኣረዲኡ።

ኣብዚ ሰሙን ቲዊተር ጥራይ ዘይኮነስ ፌስቡክ ሓዊሱ ካብ ሕግን መስርሕን እቲ መስርሕ ንዝወፁ ኢትዮጲያዉያን መለለዪ ስሞም ከምዝተዓፀዎምን ዝጠቅዕዎ ፅሑፍ ከምዝተልዓለለን ዝሓበረ እቲ ፀብፃብ ካብኣቶም ናይ ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ፅሑፍ ሓደ ከምዝኾነ ይፍለጥ።