ፕሬዝደንት መንግስቲ ትግራይ: ንመንግስቲ ኢትዮጲያ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝሸጣን ዝሕግዛን ሃገራት ደው ከብላ ናብ ሑቡራት ሃገራት ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ ፀዊዑ።

ኣብ ኩናት ትግራይ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ብፍላይ ድማ ዘመናዊ መሳርሒ ኩናት ኣብ ምዉፋይ ካብ ዝተሳተፋ ሃገራት ኣፍሪካ ወፃኢ ከምኒ ዓረብ ኢምሬት ; ቻይና ; ቱርኪን ኢራንን ይጥቀሳ።

ፕሬዝደንት መንግስቲ ትግራይ ትማሊ ንዋና ፀሓፊ ሑቡራት ሃገራት ኣብ ዝለኣኾ ደብዳቤ ካብ ሃገራት ኢራን ; ቱርኪን ዓረብ ኢምሬትን ንመንግስቲ ኢትዮጲያ ዝወሃባን ዝሽየጣን ዘለዋ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ጠጠዉ ንኸብላ ናይ ባዕሉ ፅዕንቶ ክፈጥር ምሕፅንታ ቀሪብሉ ኣሎ።

ኩናት ትግራይ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ዝጋደድ ዘሎ ሓገዝ ናይዘን ኢድ ኣእታዉነትን ናይዘን ሃገራት ስለዝቐፀለ እዩ ዝበለ እቲ ደብዳቤ እዘን ነፈርቲ ኣዉሮፕላን ኣብ ልዕሊ ሰለማዉያን ሰባት ዘነፃፀረ መጥቃዕቲ ብምፍፃመን ኣንቶንዮ ጉቶሬዝ ንፓርላምኡ ከቕርብን ናይ ባዕሉ ፍርዲ ከቐምጥን ከምዝግባእ ደብዳቤ ዶ/ር ደብረፅዮን ኣረዲኡ።

ኣብ ፈለማታት እቲ ኩናት ብሓገዝ ዓረብ ኢሚሬትስ ካብ ኤርትራ ሰንዓፈ እናተበገሳ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ወገናት ; ንብረት ህዝብን መንግስትን ዘብፀሐኦ ዕንወት ብምግንዛብን ሓገዝ ናይዘን ሃገራት ኣብ ከምኒ ሊብያ ; የመንን ሲርያን ዝበፀሐ ግፍዒ ከም መርኣያ ብምዉሳድ ቅልጡፍ ስጉምቲ ክዉሰድ ዶ/ር ደብረፅዮን ኣብ ዝለኣኾ ደብዳቤ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ወርሒ ነሓሰ እዉን እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጲያ ካብ ሃገራት ቱርኪ ; ቻይናን ኢራንን አተን ነፈርቲ ብምዕዳግ ዓረብ ኢምሬትስ ድማ ንመበል 90 ጊዜ ዝኾን ናይ ምጉዕዓዝ ትሕብብር ከምዝገበረት መንግስቲ ትግራይ መረዳእታ ከምዘለዎ ኣረዲኡ።

እዘን ሃገራት ብዘለወን ሃፍቲ መሳርሒ ኩናት ተጠቒመን ኣብ ገበን ጆኖሳይድ ይሳተፋ ምህላወን ኣንቶንዮ ጉቶሬዝ ብዝግባእ ተገንዚቡ ካብዚ ታሪካዊ ስሕተት ክቑጠባ ; ናብ ተሓታትነት ክቐርባን ብህፁፅ ፍታሕ ከናዲን ዶ/ር ደብረፅዮን ተላብዩ።

ኣብ መወዳእታ መንግስቲ ትግራይ ሐዚ እዉን ንዘተ ሰላም ቅሩብ ከምዝኾነን ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዝበፅሕ ዘሎ ቅትለትን ጥምየትን ደዉ ንኽብል ኣብ ዘኽእሉ መንገድታት ንምስታፍ ዘየማትእ ጉዳይ እዩ ኢሉ ከምዝኣምን እቲ ደብዳቤ ኣመላኺቱ።