ሊሂቃን ኣምሓራን መራሕቶምን ብዘካይድዎ ዘለው ጎስጓስ እቲ ኩለመዳይ ስዕረት ዘጋጠሞ ሰራዊት ኢትዮጵያ ክትንስእ ከምዘይገብሮ ተገሊፁ።

ኣብ ኣጋ ዕርበቶም መንገዲ መድሕን ሂወቶም ዘናድዩ ዘለዉ ግን ድማ ህዝቢ ከም ህዝቢ ካብ መንጎ ናብ ሓዊ ዘእትዉ ዘለዉ ሊሂቃንን መራሕቲ ሃይማኖትን ኣምሓራ ቀዳምነት ይስርዑ።

ኣብዚ ሰሙን ብናይ ኢትዮጲያ ማዕኸናት ዜናን ማሕበራዊ ሚድያን እናተጋወሐ ዝቐነየ ቅድሚ ሐዚ ዝተማረኹ ወይ እዉን መራሕቲ ሃይማኖትን ኣምሓራ ዘሚትና ኢና፣ ሐዚ ዘይዘመተ ከምዝሞተ፣ ተጋሩ ክጠፍኡ ኣለዎም ወዘተ እናበሉ ድሕሪ ምስመዖም ንቡዙሓት ግርምትን ትዕዝብትን ዝፈጠረ ጉዳይ ኮይኑ እዩ።

ኣብዚ ጉዳይ ሪኢቱኡ ዝሃበና ንድሕንነቱ ክበሃል ስሙ ዘይተጠቐሰ ሓደ ኮሎኔል፡ ምሩኽ ደርጊ ካሳየ ጨመዳ ” ብዘለኒ ተሞክሮ ” ኢሉ ዝሃቦ ቃል; ተሞክሮ ስዕረቱ እዩ ኣካፊሉ ስለዝኾነ እዉን ንሱ ዝተስዓረሉ መድረኽ ንማንም መርኣያን ምህዞን ክኸዉን ከምዘይኽእል የረድእ።

ሙሩኽ ወታደር ደርጊ ካሳየ ጨመዳ፡ ኣስዒቡ ድማ ክርስትያን ተኾይንኩም ‘በስመኣም’ እስላም ተኾይንኩም ‘በስሚላህ’ ኢልኩም ጀምሩ ኣብዝብል ቃል ድማ እቲ ሃይማኖትን እምነትን ኣብኦም ጥራሕ እምበር ኣብ ትግራዋይ ከምዘይሰርሕ ብምሕሳብ ከምዝኾነ እቲ ኮሌኔል ገሊፁ።

ካልእ ኣብቲ ቦታ ተረኺቡ ተጋሩ ኣብ ምስይጣን ኢዱ ዘወጣዉጥ ዝነበረ ኣንዳርጋቸዉ ፅጌ እንተኾነ እዉን ክሳብ ሐዚ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝተገበረ ጨፍጫፍ ከይኣክል ሐዚ እዉን ቁረፆ፡ ጉመዶ እናበለ ተሰሚዑ እዚ ድማ ጫፍ ፅልኢት ብሄር ተጋሩ ስለዘለዎን ስነ ልቦና ትግራዋይ ንምስላብን እምበር ጉዳዩ ምስ ሰበ ስልጣናት ወይ ዉልቀ ሰባት ከምዘይኮነ ተዛሪቡ።

ኢንግሊዛዊ ኣንዳርጋቸዉ ፅጌ ድሕሪ እዚ መደረኡ ኣብ ልዕሊ ብሄር ተጋሩ ጎስጓስ ምፅናት ዘርኢ ከምዘካየደ እውን ዘ ቴሌግራፍ ፀብፂቡ እዩ።

ኣብ ስርዓት ኢህወደግ ምስ ስርዓት ኢሳያስ ብምዉጋን ዉድብ ግንቦት 7 መስሪቱ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ፀጥታ ኣትዩ ብዝገበሮ ዕግርግር ፍርዲ ሞት ተበይንሉ ዝፀነሐ ግን ድማ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ብምሕረት ዝተሰደደ ኣንዳርጋቸዉ ፅጌ ሐዚ ብዝገብሮ ዘሎ ሓድሽ ጓስጓስ ፃዕረ ሞት እምበር ቀደም ዝተድሃለ መሪሕነትን ሰራዊትን ከምዝኾነ ኣረጋጊፁ።

ካልእ ኣሜሪካዊ ታማኝ በየነ እንትኾን ብፅልኢት ተጋሩ ዓይኑ ዝዓወረን ኣማሓዳሪ ካብቶም ን 10 ዓመታት ዝኣክል ፀረ ተጋሩ ዝኾነ ኢሳት ቲቪ ከምዝኾነ ዝዝረበሉን ክሳብ ትግራዋይ ከምህዝቢ ንምጥፋእ ካብ ኣሜሪካ ኣትሒዙ እቶት ዘተኣኻኽብን ዕሉል ፀላኢ ትግራዋይ ከምዝኾነ እቲ ኮሌኔል ሓቢሩ።

ኣብ ስርዓት ደርጊ ኣባል ኪነት ኮይኑ ክሳብ ኣብ ባህላዉን ህዝባዉን በዓላት እናኣተወ ፀረ ተጋሩ ዝንቀሳቐስን ዝመርሕን ታማኝ በየነ ኣብ ስርዓት መሓዝኡ ኣብዪ ኣሕመድ ድሕሪ ናብ ዓዲ ምምላስ ነቲ ቅድም ኢሉ ዘየዐወትዎ ዕላማ ጊዜን ቦታን ኣጠዓዒሙ ሐዚ ከሉ ህዝቢ ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ትግራዋይ ክለዓል ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሩ።

እንተኾነ ሕዚ ንገስጋሰ ሰራዊት ትግራይ ዝዓግቶ ከምዘይብሉን ጀነራላቶም ኮኑ ሊሂቃኖም ጊዜ ፕሮፖጋንዶኦምን ዲፕሎማሲኦምን ከምዝሓለፎን ብስነ ልቦና ዝተስዓረ ሰራዊት ደጊሙ ከንሳርር ከምዘይኽእልን እቲ ኮሌኔል ኣረጋጊፁ።