ካብ ወታሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ዝተዉሃበ መግለፂ

ኣብ ልዕሊ ደመኛታት ፀላእትና እነካይዶ ዘለና ቃልሲ ብኩሉ መዐቀኒ ናብ ወሳኒ ምዕራፍ ተሰጋጊሩ ኣሎ። ክሳብ ሕዚ ክነካይዶ ዝፀናሕና ወታሃደራዊ ወፍርታት ፀላኢ ናይ ምግባር ዓቕሙ ካብ ምድኻምን ምዕናዉን ሓሊፉ ከም ስርዓት ህልዉኑኡ ከብቅዕ ዝገብር ስትራተጂካዊ ዓወታት ኣመዝጊብና ኢና። ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ነካይዶ ዘለና ስትራተጂካዊ መጥቃዕቲ ፀላኢ ዝነበሮ ስሩዕ ሰራዊት እናተፀንቀቐ፣ ዝነበሮ ናይ ተኹሲ ዓቕሚ እናተመናመነ፣ ናይታ ሃገር ኢኮኖሚ በቲ ኵናት ሃደሽደሽ እናበለ ኩለመንኡ ናይ ድጋፍ ዕንወት ዝበፅሕ ዘሎ ስርዓት ኾይኑ ኣሎ።

እዚ ኣራዊት ፋሽሽታዊ ስርዓት ኩሎም ናይ ሰላም ኣማራፂታት ጥርቅም ኣቢሉ ዓፅዩ ንህዝብታት ብምጭብርባርን ብምትላልን ተመግዲሩ እናሃለወ እዉን ናይ ሞትን ሕየትን ርብርብ ንምግባር ይፅዕር ኣሎ። እዚ ፋሽሽታዊ ስርዓት ንምውጋድ ዘለና እንኮ መሚረፂ ብሓይልናን ብቅልፅምናን ካብ ምድምሳስን ህላወን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ኣብ መቓብሩ ክረጋገፅ ካብ ምግባር ወፃእ ካልእ መንገዲ የለን። እዚኣ ምዃና እዉን ፀላእትና ኣፀቢቖም ይፈልጡ እዮም። ብምኻኑ እዉን ናይዚ ስርዓት ህልዉና ኣብ ሓፂር ግዜ ንምቅባፅ ዘኽእል ኣንፈታት ሒዝና ኣብ ሰፊሕ ወታሃደራዊ ወፍሪ ፀኒሕና ኢና። ክሳብ ሕዚ ዝተጠቐምናሉ ኣንፈትን ዝኣተናዮም ከባብታትን ተደላዪን ወታሃደራዉን ፖለቲካዉን ብቑዕ ምኽንያት ዝነበሮ እኳ እንተኾነ ሕዚ ብዝርአ ዘሎ ናይ ፀላኢ ፃዕረሞትን ዓገርገርን ናይ ኣምሓራ ተስፋሕፋሒ ዝፈጥሮ ዘሎ ዕንቅፋት ቀልጢፍካመልክዕ ምትሓዝ ኣድላዪ ኮይኑ ኣሎ። በዚ ምኽንያት እቲ ኵናት ብዝሓፀረን ብዝቐልጠፈን መንገዲ ንምዉዳእ ካብ ዘለዎ ተደላይነት ዉሱን ናይ ቦታን ኣንፈትን ምምሕያሽ ጌርና ኣለና።

እንተኾነ ግን እዚ ንፋስ ቀልቀል ፋሽሽታዊ ጉጅለ ብናይ ባዕልና ተበግሶን ንወሳኒ ስትራተጂካዊ መጥቃዕቲ ዝጥዕም ኣንፈት ንምትዕርራይ ንገብሮ ዘለና ናይ ቦታ ምምሕያሽ ገልቢጡ ተዋጊኡን ፍሉይ ወፍሪ ጌሩን ቦታታት ይሕዝ ከም ዘሎ በብመዓልቱ ሓሶት እናኾመረ ንህዝቢ የደንቑር ይዉዕል ኣሎ። ካሊእ ተሪፉ ዘይነበርናዮም ቦታታት ሒዝና እናበለ ክስኣል ይዉዕል ኣሎ። ሕማሙን ተሓዚኡን ካሜራ ግዲ ኮይኑ በቢመዓልቱ ስእሊ እናጠቀዐ በዚ እናተዳዓዓሰ ምዉዓልን ምሕዳርን ኮይኑ ኣሎ ስርሑ። ግዲ የለን እናተስኣለ ይዉዓል ከምዚ ነበረ ይኾኖ ። ንልዕሊ 30 ዓመት ብኹሉ መዳይ ዝሰልጠነይ ዝተዓጠቐን እዚ ምሕላፍ ኣይከኣልን ዘበለ ፅኑዕ ድፋዕ ሃኒፆም ደው ከብሉዎ ዘይኸኣሉ ዉግእ ካብትን ካብትን ሰብ ኣኪብካ ፣ ንሰለስተ ኣርባዕተ መዓልቲ ብተብ ተብ ኣሰልጢንካ ደቂ 70ን 60ን ዓመት ምልሻታት ኣኪብካ፣ ኩሉ ዝደረፈን ዝፈከረን ታኣምር ዝሰርሕ ዝመስሎም ዝበልዕሉ ፃሕሊ ንምስባር ጋእ ዘይብሉ ንከብዶም ዝሓድሩ ካሕዳማት ኣኪብካ ዝልወጥ ኩነታት ብፍፁም ክህሉ ኣይኽእልን። ኦሮማይ እቲ ኹናት ይዉዳእ ኣሎ እዩ። ኣብዚ በፂሑ ንድሕሪት ዝምለስ ኩነታት የለን። ብዘይ ጥርጥር እዚ ፋሽሽታዊ ጉጅለ ዝቅበርሉ ግዜ ሓፂር እዩ።

መላእ ህዝቢ ትግራይን ደገፍትን ፈተዉትን ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን ዝጀመርናዮ ኩለ መዳይ ቃልሲ ናብ መፈፀምትኡ ይበፅሕ ኣሎ። ናይ ፀላእትና ዝተለመደ ሓሶትን ምድንጋርን እዝኒ ከይሃብና ሒዝናዮ ዘለና ኣንፈትን ወታሃደራዊ ወፍርን ብግቡእ ተረዲእና ከምቲ ዝፀንሐ እኳ ደኣስ ካብቲ ዝሓለፈ ብዝበለፀ ቃልስኹምን ኩለ መዳያዊ ርብርብኩምን ክተሐይሉ ወታሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ይፅዉዕ።

ሃለዋትናን ድሕንነትናን ብቅልፅምና!

ትግራይ ትስዕር!

ወታሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ

22 ሕዳር 2014ዓ/ም