ሰብኣዊ ረድኤት ፂዒነን ክኣትዋ ካብ ዝግበአን 3 ሽሕ መኻይን እተን 157 ጥራሕ ናብ ትግራይ ከምዝኣተዋ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ገሊፁ።

ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ኣብ ልዕሊ 6 ሰሙናት ንመጀመርታ ጊዜ ብሮቡዕ 22 ሕዳር 2014 ዓ/ም 157 ሰብኣዊ ረዲኤት ዝፀዓና መኻይን መቐለ ምእታወን ገሊፁ።

ካልኦት ሓገዝ ዝፀዓና መኻይን ውን ኣብ ምንቅስቓስ ምህላወን ሓቢሩ።

እዚ ካብተን ክኣትዋ ዝነበረን ልዕሊ 3 ሽሕ መኻይን 5 ሚእታዊ ጥራሕ ከምዝኾነ ይፍለጥ።

ከምኡ እውን 12 ጥቅምቲ 2014 ዓ/ም 11 ሰባት ፅዒና መቐለ ክትዓርፍ ኣብ እትቃረበሉ እዋን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ኣብ ከባቢ መዕርፎ ነፈርቲ ደብዳብ ብምፍፃሙ ዝተቛረፀ በረራ ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት ከምብሓዱሽ ምጅማሩ እውን እቲ ሃላፊ ገሊፁ።

ኣብቲ ካብዝጅመር ሓደ ዓመት ዝሓለፎ ኲናት፣ ትግራይ ኣዝዩ ህፁፅ ሓገዝ ምግቢ፣ መድሓኒትን ነዳድን ካልኦት መሰረታዊ ቀረባትን ክትረክብ ከምዘይከኣለት ቃል እቲ ዋና ፀሓፊ ጠቒሱ ዝፀብፀበ ብሉምበርግ፣ ቅድም ክብል እውን እንተኾነ ኣብ መፋርቕ ሓምለ ክኣቱ ካብዝነበሮ 15 ሚእታዊ ጥራሕ ምብፅሑ ኣዘኻኺሩ።

ኲናት፡ ካብዝጅመር ብዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ከምዝሞቱ ዝሓበረ ብሉምበርግ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሞንጎ አፃባእቲ ናብ ድርድር ናይ ምምፃእ “ቁሩብ” ተስፋ ውን ኣሎ ኢሉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ምንም ዓይነት ሓገዝ ከይኣቱ ከልኪሉ ናብቶም ኣብ ትሕቲ ምክልኻል ሓይልታት ትግራይ ዝርከቡ ቦታታት ኣምሓራን ዓፋርን ግን ሰብኣዊ ረድኤት ክኣቱ ከምዝፈቐዱ ዝዝከር ዩ።