ኣብይ ኣብቲ ባዕሉ ዝኣዎጆ ኲናት ተሳዒሩ እዩ መጻኢ ዕድል ኢትዮጲያ ግን ኣብ ቀራን መንገዲ ኣሎ ክብል “the elephant” ዝተብሃለ ገጽ ጸብጺቡ።

ብሰንኪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ዝኣወጆ ኲናት ኢትዮጲያ ኣዝያ ከምዝተዳከመትን፣ በሰላን ክፍፍልን ጥራሕ ከምዝሓደገላን ዝጸብጸበ the elephant ኢትዮጲያውያን ዘሎ “ብዙሃነት”? ምቅባል ወይ ድማ ምብትታትን ምስ ዝብል  ኣማራጺ ጥራሕ ከምዘለዎም ኣብሪሁ።

ናይ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ጥምረት ኣብ ናብ በሪ ኣዲስ ኣበባ ተጸጊዖም ይርኸቡ። ብኣንጻሩ ድማ ሰራዊት ኢትዮጲያ ብሰንኪ ኣብቲ ኲናት ዝበጸሖ ከቢድ ዕንወትን ባዕሉ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይን ኦሮሞ ኣመራርሓ እቲ ሰራዊት ዝወሰዶ ስጉምቲን ፈሪሱ እዩ ዝበለ the elephant ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኢድ ቁፅፅር ሰራዊት ትግራይ ኣብ ሰሙናት ምናልባት እውን ኣብ ማዓልታት ውሽጢ ክትወድቅ ከም እትክእል ጸብጺቡ።

ኣብ ኢትዮጲያ ዝግበር ዘሎ ኲናት ኣብ ሓደገኛ ምዕራፍ በጺሑ ኣሎ። ብስሩዕ ዘይሰልጠኑን ብኣግባቡ ዘይተዓጠቑ ‘ወልንታውያን’  ዋላ ብኣሸሓት ዝቁጸሩ እንተኾኑ ንኣዝዩ ዲስፕሊንን ሙኩርን ዝኾነ ሰራዊት ትግራይ  ክገጥሙ ኣይክእሉን ዝበለ እቲ ገጽ ሓደሽቲ ምልምላት ብምምጻእ ኣብይ ኣሕመድ ክረብክቦ እየ ዝብሎ ዘሎ ዓወት ክረጋገጽ ከምዘይክእል ኣቐሚጡ።

ደገፍቲ መንግስቲ ኢትዮጲያ ህወሓት ዳግም ናብ ስልጣን ከይመጽእ ኢና ንዋጋእ ኣለና ዋላ እንተበሉ ስልጣን ምቁፃር ግን ዓላማ ሰራዊት ትግራይ ከምዘይኮን እኳ ዳኣስ ብጆኖሳይዳል ኲናት ኣብይ ምክንያት ካብ ኢትዮጲያ ዝግንጸልሉ ዕድል ክህልው ከምዝክእል ገሊጹ። መሰረታዊ ዓላማ ሰራዊት ትግራይ ኣብይ ኣሕመድ ካብ ስልጣን ምልጋስን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝነበረ ዕጽዋ ፈጺሒካ ምውጻእን እዩ ዝብለ the elephant ድሕሪ ዓወት ሰራዊት ትግራይ ኣዲስኣበባ ሓዲጉ ዝወጸሉ ኩነታት ክህልው ከምዝክእል ኣብሪሁ።