ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ምፅናት ዘርኢ ትግራይ ዝለዓለ ኢድ ዝነበራ ዓረብ ኤምሬትስ ዳግማይ ናብ ኲናት ትግራይ ከምዝተፀምበረት ማዕኸን ዜና ሓቢረን።

ስራሕቲ ቻይና ዝኾና ዊንግ ሎንግ ዝበሃላ ሰብ-ኣልባ ነፈርቲ ውግእ ኤሜሬትስ ካብ እተምሓድሮ ወደብ ዓሰብ እንዳተልዓላ ብተደጋጋሚ ትግራይ ደብዲበን እየን።

ይኹን ምበር ክትኽሕድ ፀኒሓ ያ። ዓለም ውን መረዳእታ የብለይን ብምባል ሸለል ኢላቶ ፀኒሓ ያ።

ምስ ወተሃደራዊ ነፈርቲ ብዝተትሓሓዘ ትንተና ዝፍለጥ ኦሪክ ዝበሃል መርበብ ሓበሬታ ትማሊ ኣብ ሃረር ሜዳ ዝበሃል ወተሃደራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ካብ ዝሰርሕ ቴክኒሻን ረኺበዮ ዝበሎ መረዳእታ ንዓለም ኣቃሊሑ ዩ።

በዚ መሰረት ሃረር ሜዳ ሓዱሽ መዕረፊ እዘን ሰብ ኣልባ ኣውሮፕላናት ኤሜሬትስ ከምዝኾነ ዝሓበረ እዚ ትካል፣ ኤሜሬትስ ኣብ ኤርትራ ዝነበራ መዕረፊ ሓዲጋ ሐዚ ኣብ ዙርያ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ሃረር ሜዳ ብውሑዱ ሽዱሽተ ድሮናት ከምዘእተወት ሓቢሩ።

ኤሜሬትስ እዚ ዝገበረት ኩነታት ፀጥታ ኢትዮጵያ ኣዝዩ እንዳተብኣኣሰ ኣብዝመፀሉን ወተሃደራት ኢትዮጵያ ብሓይልታት ምክልኻ ትግራይ ተሳዒሮም ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኢድ ሓይልታት ትግራይ ክትኣቱ ኣብዝተቓረበትሉን ዩ።

ኤሜሬትስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምድሓን እዘን ሓደሽቲ ድሮናት ከምዘእተወትን ኢትዮጵያ ነዚአን ከንቀሳቕሱ ዝኽእሉ ብቑዓት ሰብ ሞያ ስለዘይብላ ሰብ ሞያ ዓረብ ኤምሬትስ ባዕሎም ከምዘንቀሳቕሱወን እውን እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።

እቲ ሓበሬታ ዝሃበ ውልቀ ሰብ ኣብ ደጀን ኣቪይሽን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ሃረር ሜዳ ከምዝሰርሕን ቅድም ክብል ኢትዮጵያ ካብ ቻይና ሰለስተ ካልኦት ሰብ ኣልባ ነፈርቲ ውግእ “ድሮን” ከምዝገዝአትን ኤሜሬትስ ድማ ክልተ ዓበይቲ ሰብ ኣልባ ነፈርቲ ውግእ ምስ ሙሉእ ተተኳሲ ኣፅዋር ኣእትያ ምንባራ ዘዘኻኸረ ኦሪክስ፣ እዚ ናይ ሎሚ ምእታው ሽዱሽተ ናይ ባዕላ ዊንግ ሎንግ ግን እቲ ዝዓበየ ሓገዝ ዩ ኢሉ።

ዓረብ ኤሜሬትስ ብንዋታውን ብገንዘባውን ሓገዝ ኣብይ ንምድሓን ከምዝተልዓለት ዝሓበረ እዚ መርበብ ሓበሬታ ካብ ነሓሰ ንደሓር ልዕሊ 100 ኣፅዋርን ካሊእ ወተሃደራዊ ሓግዘን ዝፀዓና ካርጎ ካብ ሕቡራት ዓረብ ኤሜሬትስ ናብ ኢትዮጵያ በረራ ከምዝገበራ እውን ኣፍሊጡ።

ዓረብ ኤሜሬትስ ቅድሚ ሐዚ በዘን ካብ ቱርክን ቻይናን ዝገዝአተን ሰብ ኣልባ ነፈርቲ ውግእ ገይራ የመንን ሊብያን ናብ ዑና ከምዝቐየረተን ዝፍለጥ እዩ።