ብሄረ ተጋሩ፡ ብላዕለዎት ሰበስልጣናት ኢትዮጵያ “ካብ ገፅ ምድሪ ክጠፍኡ ኣለዎም” ክበሃሉ ሰሚዕና ኢና ክብል ኣባል ኮንግረስን ላዕለዋይ ኣባል ኮሚቴ ጉዳይ ወፃእን ኣሜሪካ ገሊፁ።

ተወካሊ ካሊፎርኒያ ኣባል ኮንግረስን ላዕለዋይ ኣባል ኮሚቴ ጉዳይ ወፃእን ኣሜሪካ ዝኾነ ብራድ ሸርማን “ኣብ ኢትዮጵያ ጄኖሳይድ ክፍፀም ንርኢ ኣለና” ክብል ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ ገሊፁ።

ልዕሊ 20,000 ወተሃደራት ኢትዮጵያ ተጋሩ ብምዃኖም ጥራሕ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተኣሲሮም ርኢና ኢና፣ ኣብ ትግራይ ሙሉእ ክልከላ መራኸቢ ርኢና ኢና፣ ተጋሩ ብላዕለዎት ሰበስልጣናት ኢትዮጵያ “ፃህያይ፣ ካንሰር” ወዘተ እንዳተብሃሉ ክፅውዑን “ካብ ገፅ ምድሪ ክጠፍኡ ኣለዎም” ክበሃሉን ሰሚዕና ኢና፣ ብፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ምክልኻል ጄኖሳይ ውን ናይ ሻቕሎት መግለፂ ሰሚዕና ኢና ዝበለ ሸርማን ወተሃደራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ሰብኣዊ ሓገዝ ከይኣቱ ዓፅዮም ህዝቢ ትግራይ ብጥሜት ይቐትልዎ ከምዘለው ውን ንፈልጥ ኢና ኢሉ።

ብራድ ሸርማን ቀፂሉ ኣብ ቀረባ ጊዜ ካብ ትግራይ ወፃኢ ዝነብሩ ልዕሊ 30,000 ተጋሩ ብዓይኒ ዕሙተይ ተኣርዮም ኣብ መዐጎሪ ካምፕ ክእሰሩ ከምዝተገበረን ኣብ ልዕሊኦም እንታይ ይፍፀም ከምዘሎ ከምዘይፍለጥን ብምሕባር ኣብ ልዕሊ እዞም ብዘይ ፍትሒ ኣብ መዐጊሪ ካምፕ ዝተኣሰሩ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ህዝቢ እውን ብክባ ተዓፅዩ ብጥሜት ክመውት ይግበር ኣሎ ክብል ንቲ ኮሚቴ መደርኡ ኣስሚዑ።

ናብ ትግራይ ብመኻይን ረዲኤት ንምብፃሕ ዝተገበረ ፈተነታት ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝመኸነ ንፈልጥ ኢና ዝበለ ኣባል ኮንግረስ ሸርማን በዚ ምኽንይያት USAID ቀጥታ ናብ ትግራይ ብነፈርቲ ሓገዝ ከብፅሕ ተዘራሪብና ነይርና።

እዚ ንምንታይ ዩ ዘይተተግበረ ክብል ውን ይሓትት።

ቅድም ክብል ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም እዚ ዓመት ኣብ ተመሳሳሊ ኣኼባ ኮሚቴ ጉዳያት ወፃኢ እዚ ኣብ ኮንግረስ ኣሜሪካ ተወካሊ ሳን ፈርናንዶ ቫሊ ግዝኣት ካሊፎንያ ዝኾነ ላዕለዋይ በዓል መዚ ኣብ ትግራይ ዝበፅሕ ዘሎ ምፅናት ዘርኢ ኣመልኪቱ ንምምሕዳር ባይደን “ሚሊዮናት ብጥሜት እንዳሃለቑ እንታይ ኢና ንገብር ዘለና” ክብል ሓቲቱ ምንባሩ ይዝከር።