ኵናት፡ ብዝሓፀረን ብዝቐልጠፈን መንገዲ ንምዉዳእ ካብ ዘለዎ ተደላይነት ዉሱን ናይ ቦታን ኣንፈትን ምምሕያሽ ከምዝተገበረ ወተሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ገሊፁ።

ኣብ ልዕሊ ደመኛታት ፀላእትና እነካይዶ ዘለና ቃልሲ ብኩሉ መዐቀኒ ናብ ወሳኒ ምዕራፍ ከምዝተሰጋገረ ወተሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ሓቢሩ።

ክሳብ ሕዚ ክነካይዶ ዝፀናሕና ወታሃደራዊ ወፍርታት ፀላኢ ናይ ምግባር ዓቕሙ ካብ ምድኻምን ምዕናዉን ሓሊፉ ከም ስርዓት ህልዉኑኡ ከብቅዕ ዝገብር ስትራተጂካዊ ዓወታት ከምዝተመዝገበ እውን ወተሃደራዊ ኮማንድ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ሓቢሩ።

እዚ ኣራዊት ፋሽሽታዊ ስርዓት ኩሎም ናይ ሰላም ኣማራፂታት ጥርቅም ኣቢሉ ዓፅዩ ንህዝብታት ብምጭብርባርን ብምትላልን ተመግዲሩ እናሃለወ እዉን ናይ ሞትን ሕየትን ርብርብ ንምግባር ይፅዕር ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ብምዃኑ እውን እዚ ፋሽሽታዊ ስርዓት ንምውጋድ ዘለና እንኮ መሚረፂ
ብሓይልናን ብቅልፅምናን ካብ ምድምሳስን ህላወን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ኣብ መቓብሩ ክረጋገፅ ካብ ምግባር ወፃእ ካልእ መንገዲ ከምዘየለ ኣተሓሳሲቡ።

ክሳብ ሕዚ ዝተጠቐምናሉ ኣንፈትን ዝኣተናዮም ከባብታትን ተደላዪን ወታሃደራዉን ፖለቲካዉን ብቑዕ ምኽንያት ዝነበሮ እኳ እንተኾነ ሕዚ ብዝርአ ዘሎ ናይ ፀላኢ ፃዕረሞትን ዓገርገርን ናይ ኣምሓራ ተስፋሕፋሒ ዝፈጥሮ ዘሎ ዕንቅፋት ቀልጢፍካ
መልክዕ ምትሓዝ ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

በዚ ምኽንያት እቲ ኵናት ብዝሓፀረን ብዝቐልጠፈን መንገዲ ንምዉዳእ ካብ ዘለዎ ተደላይነት ዉሱን ናይ ቦታን ኣንፈትን ምምሕያሽ ከምዝተገበረ ወተሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ገሊፁ።

እንተኾነ ግን እዚ ንፋስ ቀልቀል ፋሽሽታዊ ጉጅለ ብናይ ባዕልና ተበግሶን ንወሳኒ ስትራተጂካዊ መጥቃዕቲ ዝጥዕም ኣንፈት ንምትዕርራይ ንገብሮ ዘለና ናይ ቦታ ምምሕያሽ ገልቢጡ ተዋጊኡን ፍሉይ ወፍሪ ጌሩን ቦታታት ይሕዝ ከም ዘሎ በብመዓልቱ ሓሶት እናኾመረ ንህዝቢ እናዶንቆረ ይውዕል ከምዘሎ ኣብሪሁ።

ኲናት ካብትን ካብትን ሰብ ኣኪብካ ፣ ንሰለስተ ኣርባዕተ መዓልቲ ብተብ ተብ ኣሰልጢንካ ደቂ 70ን 60ን ዓመት ምልሻታት ኣኪብካ፣ ኩሉ ዝደረፈን ዝፈከረን ታኣምር ዝሰርሕ ዝመስሎም ዝበልዕሉ ፃሕሊ ንምስባር ጋእ ዘይብሉ ንከብዶም ዝሓድሩ ካሕዳማት ኣኪብካ ዝልወጥ ኩነታት ብፍፁም ክህሉ ከምዘይኽእል እውን ኣተሓሳሲቡ።

መላእ ህዝቢ ትግራይን ደገፍትን ፈተዉትን ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን ዝጀመርናዮ ኩለ መዳይ ቃልሲ ናብ መፈፀምትኡ ይበፅሕ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ብምዃኑ እውን ናይ ፀላእትና ዝተለመደ ሓሶትን ምድንጋርን እዝኒ ከይሃብና ሒዝናዮ ዘለና ኣንፈትን ወታሃደራዊ ወፍርን ብግቡእ ተረዲእና ከምቲ ዝፀንሐ እኳ ደኣስ ካብቲ ዝሓለፈ ብዝበለፀ ቃልስናይናን ኩለ መዳያዊ
ርብርብናን ክነሐይል ወታሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ፀዊዑ።