ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ቅልውላው ኲናት ንምፍታሕ ብህፁፅ ተፃብኦ ደው ክብል ሕብረት ኣፍሪቃ ፀዊዑ።

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ መንጎ ተፃባእቲ ሓይልታ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ደው ንምባል ፃዕርታት የካይድ ዋላ እኳ እንተሎ እንተኾነ እቲ ኲናት ብዝሓየለ ኩነታት ይቕፅል ከምዘሎ ኣቦ መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ ማህማት ኣብ ትዩተር ገፁ ፂሒፉ።

ነዚ ኲናት ንምፍታሕ ብህፁፅ ኲናት ደው ናይ ምባል ስምምዕነት ክካየድን ፓሎቲካዊ ዘተ ክሳለጥን ብሕታዊ ኣማራፂ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ከምኡ እውን ፕረዚዳንት ኦባሳንጆ ነቲ ኲናት ደው ንምባል ምስ ተሳተፍቲ እቲ ተፃብኦ ዝኾኑ ሓይልታት ዝገብሮ ናይ ሽምግልና ፃዕሪ ከምዝቕፅል ኣረዲኡ።

እቲ ኮሙሽነር ኣብቲ ሓደ ዓመት ዘቁጸረ ኲናት ትግራይ ክሳብ ሕጂ ንመንግስቲ ኢትዮጲያ ብምውጋንን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተፈጸመ ገበን ርእዩ ከምዘይረኣየ ክሓልፎ ዝጸነሐ ኮይኑ ኣብዚ ሕጂ እዋን መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ከቢድ ጸቅጢን ክባን ኣብዝወደቀሉ ናይ የተሓሳስበኒ ኣሎ መግለጺ ምውፅኡ ንቡዙሓት ዘገረመ ኮይኑ ኣሎ።