ሕብረት ኣውሮፓ ሰራሕተኛታቱ ካብ ኢትዮጵያ ክወፁ ምእዛዙ ተገሊፁ።

ሕብረት ኣውሮፓ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕፅል ዘሎ ኵናት ብምስጋእ ሰራሕተኛታቱ ካብ ኢትዮጵያ ብህፁፅ ክወፁ ኣዙዙ፡፡

እቲ ልዕሊ ሓደ ዓመት ዘቑፀረ ኵናት ትግራይ ካብቲ መበገሲ ቦታኡ ወፅዩ ኣብ ድርኩኺት ኣዲስ ኣበባ ምስ ምፅግዑን ህልዊ ኩነታት እታ ሃገር ኣብ ዘተሓሳስብ ብርኪ ምብፅሑን ዝተገንዘበ ሕብረት ኣዉሮፓ ንድሕንነት ሰራሕተኛታቱ ብምስጋእ ብዘይካ ወሰንቲ ሰራሕተኛታት እቶም ዝበዝሑ ሰራሕተኛታት ካብ ኢትዮጵያ ብቕልጡፍ ክወፁ ፀዊዑ ኣሎ።

ሕብረት ኣውሮፓ ነዚ ፃውዒት ኣቕሪቡ ዘሎ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብኣብይ ኣሕመድ ትምራሕ ዘላ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ምብትታን ከምእትርከብ ድሕሪ ዘውፅኦ ሓዱሽ ፀብፃብ ስዒቡ ከምዝኾነ ዘቃለሐ ድማ ማዕኸን ዜና ኣልጄዝራ እዩ።

ህልዉ ኩነታት ኢትዮጲያ ብኣጋ ዝነቐሓ ሃገራት ከምኒ ኣሜሪካ፣እንግሊዝ፣ፈረንሳይ፣ስዋድን፡ ጀርመን፣ ኣየርላንድን ኻልኦት ብዙሓት ሃገራትን ዜጋታተን ካብ ኢትዮጵያ ብህፁፅ ክወፁ ምፅወዐን ይፍለጥ።

ሕቡራት ሃገራት ቅድም ኢሉ ብትእዛዝ መንግስቲ ኢትዮጲያ ዝተኢሰሩ ሰራሕተኛታቱ ብህፁፅ ንክፍትሑ ዓብዪ ፅዕንቶ እናገበረ ከምዝመፀ ዝዝከር ኮይኑ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ዝተፈፀመ ኩለመዳይ ዕፅዋን ገበን ጆኖሳይድን ግን ግብራዊ ስጉምቲ ዘይምዉሳዱ ብዓይኒ ቡዙሓት ቅሬታ ኣሕዲሩ እዩ።