ተጋሩ ነበርቲ ኣዲስኣበባ ብኣስገዳድ ሰለማዊ ሰልፊ ክወፁ ተኣዚዞም።

መንግስቲ ኣብዪ ልዕሊ 70 ሽሕ ተጋሩ ነበርቲ ኣዲስኣበባ ንኣደዳ ማእሰርትን ስቅያትን ከምዘብቀዖም ዝፍለጥ ኮይኑ ካብኦም ዝተረፉ ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ድማ ብኣገዳድ ኣንፃር ህወሓት ደዉ ክብሉ ኪኢሎም ኣለዉ።

እቶም ብዘይ ፈቓዶም ናብ ኣበበ ቢቂላ ስታደየም ዝተኣከቡ ተጋሩ ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ኣይዉክልን ; ህወሓት ሓይሊ ግብረ ራዕዲ እዩ; ኣሜሪካ ንህወሓት ምድጋፍ ጠጠዉ ተብል ዝብሉ ፅሑፋት ተዋሂብዎም ቡዙሓት ግን በቲ ፅሑፍ ገፆም ሸፊኖም ምስሎም ሓቢኦም ይረኣዩ።

ኣብዚ ሰልፊ ቡዙሓት ካብ ፈለማ ኣትሒዙ ምስ ቀታሊ ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ መንግስቲ ኢትዮጲያ ዝወገኑ ተጋሩ ሓዊሱ ቡዙሓት ሰልፈኛታት ዝተረኸቡ እንትኾን እቶም ብርክት ዝበሉ ሕፍረት ከምዝተሰመዖም ዘርእዪ ኣብቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝተወዘዐ ምስሊ ንምፍላጥ ይከኣል።

እዚ ተግባር መንግስቲ ኣብዪ ; ህዝባዊ ኩናት ከምዘሳልጥ ዘሎ ከምቲ ልሙድ ንምድንጋርን እቶም ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ጎኑ ከምዘለዉ ንምፍላጥን ዝገበሮ ሽርሒ ምዃኑ እናተገለፀ እዩ።

እቶም ብርክት ዝበሉ ተሳተፍቲ ጉዳይ ምንባርን ዘይምንባርን ኮይንዎም እምበር እቲ ዘሎ ምሕደራ ከም ገሃነም ከምዝቖፅርዎን ስቓይ ህዝቦምን ባዕሎምን ከምዘየድቅሶም ዝተዛረበና ንድሕንነቱ ክበሃል ስሙ ዘይተጠቐሰ ምንጭና እዩ።

ብግዲ ኣብቲ ሰልፊ ክርከብ እንተዘይኮይዩ ግን ተሓባበሪ ህወሓት ከምዝኾነ ክፍለጥ ነዚ ድማ ከምዘኽፍሎ ድሕሪ ምስምዑ ከምዝኾነ ናብቲ ዘይደለዮ ሰልፊ ምዉፅኡ ወሲኹ ገሊፁ።

ድባብ ናይቲ ሰልፊ ግና ከምቲ ናይ ፀላእቲ ባህጊ ዘይኮነስ ዋላ እኳ ብኣካል ኣብቲ ቦታ ንገነ እምበር ከምቲ ዉሽጥና ዝስመዖ ስቓይ እዩ ዘንፀባርቕ ዝነበረ እዉን ኢሉ።

ነዚ ድማ ከምቲ ምስሎም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተርኣየ ብዘይካ እቶም ዉሱናት ባንዳታት እቲ ዝበዝሐ ብመሸፈኒ ኣፍንጫ ማስክን ነፀላን ተሸፊኖም ሽቑርር ኢሎም እዮም ኔሮም ክብል ምንጭና ኣረጋጊፁ።

እዞም ወገናት ብዉልቀ ተበግሶን ድሌቶምን ዘይኮነስ ብዘይፈቓዶም ከምዝኾነን ምንም ስኽፍታ ክሓደሮም ከምዘይግባእን ድማ ቡዙሓት ተጋሩ ድጋፎም እናገለፁሎም ተራእዩ እዩ።