ተወለድቲ ብሄረ ትግራይ፡ ኣባላት ዓቃቢ ሰላም ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከምዝወደቑ ተገሊፁ።

ሑቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ዓቃቢ ሰላም ተጋሩ ንዝበፅሕ ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ግፍዒ ደው ንምባል ዝኾነ ዓይነት ስጉምቲ ከምዘይወሰደ ተሓቢሩ።

ሑቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝተዋፈሩ ሰራዊት ዓቃቢ ሰላም ተጋሩ ብስርዓት ኢትዮጵያ ንዝበፅሕ ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ግፍዒ ደው ንምባል ዝኾነ ዓይነት ስጉምቲ ከምዘይወሰደ ኢትዮጵያ ኢንሳይት ፀብፂቡ።

እቲ መርበብ ሓበሬታ ከምዝሓበሮ፡ ተወለድቲ ብሄረ ትግራይ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ኮይኖም ናብ ምኽባር ሰላም ሑቡራት ሃገራት እንትዋፈሩ ንሓበራዊ ሰላም ብዝብል ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

እዚ ድማ ንሰላም ሃገሮምን ንሰላም ዓለምን ክብሉ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ የእትዮም እንዳሰርሑ ዋላ እኳ እንተፀንሑ ሑቡራት ሃገራት ንዖም ዝህቦም ዘሎ ከለላ ግን ብኣንፃሩ ከምዝኾነ ወቒሱ።

ሕጂ እውን ተጋሩ ብብሄሮም እናተመረፁ ይዕፈኑን ይጭወዩን ከምዘለውን ካብ ምኽባር ሰላም ክባረሩን ይግበሩ ከምዘለው ንጭብጢ አሶሼትድ ፕረስ ብምጥቃስ ኣቃሊዑ።

ብምዃኑ እውን ሑቡራት ሃገራት ይኹን ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ ኢ ሰብኣዊ ተግባር ደው ንምባል ዝኾነ ተግባራዊ ስጉምቲ ዘይምውሳዱ ከምዘሕዘኖም ንፍልፍላት ብምጥቃስ እቲ መርበብ ሓበሬታ ኣቃሊዑ።

ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ንኣባላት ሰራዊት ዓቃቢ ሰላም ሓዊሱ ኣስታት 17 ሽሕ ዝበሉ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ተጋሩ ብዘይዝኾነ ገበን ኣብ መሓዩር ዳጒኑዎም ከምዘሎ ዘሎ ዝፍለጥዩ።