ሰራዊት ትግራይ ዝገበሮ ለውጢ ቦታ ንቐፀልቲ ወፍርታት ብዝጥዕም ከምዝኾነ ፕሬዝደንት መንግስቲ ትግራይ ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ገሊፁ።

ፕሬዝደንት ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ ቀልዲ ዕላማ ቃልስና ፀላእትና ሙሉእ ብሙሉእ ምድምሳስ ወይድማ ተገዲዶም ናብ ዘተ ክመፁ ምግባር እዩ ኢሉ።

ጀግና ሰራዊት ትግራይ ቁሪ፣ ሓውን ብዙሓት ማሕለኻታትን ሰጊሩ ኣብ ኩሉ ግምባራት ኲናት ሓይሊ ፀላኢ እናደምሰሰ መስተንክራዊ ዓወታት የመዝግብ ከምዘሎ ዝገለፀ ዶክተር ደብረፅዮን ቃልስና ሓፍ ንክብልን ኣብ ሓፂር ግዜ ናብ ዓወት ንክንበፅሕ ዘኽእለና ሜላ ምጥቃም ካብ ታሪኽና ዝወረስናዮ እዩ ኢሉ።

ካብዚ ብተወሳኺ ዶክተር ደብረፅዮን ኣብ መግለፂኡ ህዝቢ ትግራይ ሐዚ እውን ፀላእቲ እናደምሰሰ ብዘሎ ሰራዊት ትግራይ ሙሉእ እምነት ክህልዎ ኣለዎ ዝበሉ እንትኾን ጅግና ሰራዊት ትግራይ ን ቐፀልቲ ወፍርታት ዝጠቕሞ ናይ ቦታ ለውጢ ዝገበረሉ ሜላን ታክቲክን ብጥቕሚ ህዝቢ ትግራይ ዝተረኸበ ምዃኑ ሓቢሩ።